ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ነቲ ማዕጾኻ ዚዅሕኵሕ ጐይታ ሓንጎፋይ ኢልካ ምቕባል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት - ዘፍጥረት ምዕ. 18፡ 1 – 10፣ ቆላሲያስ ምዕ. 1፡ 24 – 28፡ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 10፡ 38 – 42 ኣማእኪሎም፣ ኣብርሃምን ብዓልቲ ቤቱ ሳራን ዘርኣይዎን ደሓር ድማ ፈተውቲ ኢየሱስ ማርታን ማርያምን ዘርኣየኦ እንግዶት ብምዝካር፡ ኣብ ምንጋድ ኣጋይሽ ዘሎ ውህደት ምሃብን ምቕባልን የስተንትኑ።
ትሕትና ኣብ ምቕራብን ምቕባልን ኣጋይሽ
ሕያውነት፣ ትኩርነትን ግሉጽነትን ብፍላይ ድማ ትሕትና ኣካል ናይቲ ኣጋይሽ ምቕባል ምዃኑ ገሊጾም፣ ናይ ዕለቱ ወንጌል (ዕለት 20 ሓምለ) ማርታ ከመይ ጌራ ብኣገልግሎት ከም ዝተጸምደትን፡ እዚ ድማ ሕያዋይን ለጋስን ምዃኑ ዘለዎ ክብሪ ዘረጋግጽ እዩ፣ እንተኾነ ግን ምግልጋል ጥራሕ ዝብል ዓይነት ህይወት ምስ ጎይታ ምንባርን ቃላቱ ምስማዕን ዝህቦ ሓጎስ ክትዝንግዕ ናብ ዝገብር ሓደጋ ከም ዝወደቐት ቅዱሰቶም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ገዛእ ርእስና ሰገርን ዓቢይን ንዝኾነ ነገር ክፉት ምዃን
ትኩረት ምግባር ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ "ህይወትና ክዕምብብ ዝኽእል ካብ ገዛእ ርእስና ንዝዓቢ ነገር ክፉት ምዃን እዩ፣ ኣብዚ ድማ ሓጎስን ዕግበትን ስለ ንረክብ” እንክብሉ ቅዱሰንቶም ገሊጾም፣ ማርያም ሓፍቲ ማርታ ድማ ኣገዳስነት ናይቲ ርክብ ኣብ ምቕባል ጥራይ ዘይኮነስ ንጐይታ ኣብ ምስማዕ ምዃኑ ክነስተውዕል ትድርኸና . . . ቢሎም፣
ርግኣትን ምስማዕን
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ተስፋ ከይቆረጽና ዝበለጸ ኣብ ምምራጽ” ኣብነት ማርያም ክንስዕብ ኣተባቢዖም። ንሕና እውን ነቲ “ንኻልኦት ምቕባልን ኻልኦት ንዘቕርቡልና ተቕባል ፍቓደይናታት ክንከውን ዘጠቓልል” ጥበብ ምቕባል ኣጋይሽ ኣብ ምምሃር ወትሩ ምምሕያሽ ክንገብር ንኽእል ኢና፣ ምኽንያቱ “ንኽንህብ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምሃብ እውን ብዙሕ ክንቅበል ስለ እንኽእል፣ ምስ ኣምላኽ ይኹን ምስ ካልኦት ወይ ምስ ተፈጥሮ ኣብ ዝህልወና ርክብ ይኹን” ንነፍሲ ወከፍ ሓቀይና ተመክሮ ብኸመይ ብናጻ ከም እተቕርብ ምፍላጥ እዩ” ምስ በሉ፥
ንጐይታ ኣብ ማህጸና ዘሕደረት፡ ምስ ቅዱስ ዮሴፍ ሓቢራ ድማ ዘአንገደቶን ዝወለደቶን እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነታ ንጸሊ፣ ኣብኣ ድማ ጽባቐ ናይ ገዛእ ርእስና ጸዋዕታ፡ ጸዋዕታ ቤተ ክርስቲያን፡ ንኹሉ ክፉት ቤት ክንከውን ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ነቲ ኣፍደገና ኳሕኲሑ ንኽኣቱ ፍቓድና ንዝሓትት ጎይታኣ ክንቅበሎ መታን”
እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።