ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ “ምእንቲ እቶም ግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ ቴክሳስ ንጽሊ ኣለና”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ኣብ መደምደምታ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ብቋንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ዝለገስዎ ቃል እሰላምታን ምሕጽንታን "ንዅሎም እቶም ንዜፍቅርዎም ሰባት ዝሰኣኑ ስድራ ቤታት፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዋልዶም ኣብ ክረምቲ ደምበ ምዝንጋዕ ዝነበራ፣ በቲ ኣብ ቴክሳስ ብዚርከብ ፈለግ ጓዳሉፕ ዘጋጠመ ዕንወት" ልባዊ ምጽንናዕ ኣመሓላለፉሎም። “ምእንታኦም ኢና እንጽሊዘሎ" ክብሉ ውን ቅርበቶም ገለጹ።
ዝሓልርፈ ዓርቢ ንግሆ ቅድሚ ወጋሕታ፣ ኣብ ውሽጢ 45 ደቒቕ እቲ ማያት ናይቲ ፈለግ ብገምጋም ኣስተ ሸሞንተ ሜተር ዝከውን ብራኸ ብምውሳኸ መልአ፣ ንዅሉ እቲ ኣብ ገማግም እቲ ፈለግ ዝነበረ ነገራት ድማ ኣዕረዎ። እንተ ወሓደ 51 ሰባት በቲ ዘሕዝን ፍጻመ ህይወቶም ስኢኖም፣ ብዙሓት ድማ ሃለዋቶም ኣይተረኽበን ዘሎ፣ ካብዚኣቶም እተን ኣብቲ ከቢድ ዕንወት ዝወረዶ ኸባቢ ኮር ኣውራጃ ኣብ ዝርከብ ክርስትያናዊ ናይ ክረምቲ ደምበ መንእሰያት ዝሳተፋ ዝንበራ 27 ኣዋልድ ይርከብወን።
ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ምዕልቕላቕ ማይ ዜስግእ ቀጻሊ ዝናም እናሃለወ ኽነሱ እኳ ናይ ህይወት ኣድሕን ጻዕርታት ንምድላይን ንምድሓንን ጻዕርታት ይግበር ኣሎ።
ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ርእሰ ሰበኻታት ሳን ኣንቶንዮ ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ ንዅሎም እቶም በቲ "ታሪኻዊ" ምዕልቕላቕ ማይ እተጐድኡ ሰባት፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ዝሞቱን ነቶም ዝጠፍኡን ጸሎት ኪግበረሎም ምሕጽንታ ኣቕረቡ። እቲ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ ብዛዕባ ነቶም ግዳያት ዝሕግዙ ዘለዉ ብዙሓት ውልቀ - ሰባትን ውድባትን ኣመልኪቱ ድማ ከምዚ ይብል - "እቶም በቲ ምዕልቕላቕ ማይ እተተንከፉ ዳግም ንኽጸናንኡን ብርታዐ ክረኽቡ ኢና እንጽሊ። ነቲ ክርስቶስ ንሓድሕድና ንኽንፋቐር ዘቕረቦ ጻውዒት ድማ ምላሽ ንህበሉ ኣሎና” በሉ።
ንዓመጻ ብዘተ ተክእዎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንኽሰፍን እንደገና ጻውዒት ኣቕረቡ። ቅዱስ ኣቦና ብቋንቋ ጣልያን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ድማ፣ "ፍቑራት ኣዕሩኽተይ ሰላም ትምኒት ኵሎም ህዝብታት እዩ፣ እቲ ኣሰቃቒ ኣውያት ናቶም ብውግእ እተበታተኑ ድማ እዩ" በሉ።
ከምዚ ክብሉ ድማ ጸለዩ - "ንብረታዊ ዓመጻ ብዘተን ዝርርብን ንምትካእ ዚግበር ጻዕሪ ምእንቲ ክገቡሩ ንልቢ መራሕቲ መንግስቲ ኺትንክፎን ንኣእምሮ መራሕቲ መንግስቲ ኼነቓቕሖን ንጐይታ ንለምኖ።”
'ዕረፍቲ ንሓጺር እዋን'
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስት ዝተረኽቡ ምእመናን ሰላምታታትን ቃል ምሕጽንታን ድሕሪ ለጊሶም "ኣብዚ ግዜ ብርቱዕ ሃሩር እዚ ብቅዱስ ኣፍደገ ንምሕላፍ እትገብርዎ ዘለኹም ንግደት ዝያዳ ዝተባባዕን ዝነኣድን እዩ" ክብሉ ሞሳኦም ገለጹሎም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ናብቲ ካብ ከተማ ሮሜ ወጻኢ ዝርከብ መንበር ገዛ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ ካስተል ጋንዶልፎ "ንሓጺር እዋን ዕረፍቲ" ክገብሩ ክኸዱ ምዃኖም ገለጹ፣ ኵላቶም ውን ጽኑቕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ከሕልፉ ብምምናይ "ኣካላውን መንፈሳውን ተሓድሲ ንምግባር" ዘለዎም ተስፋ ድማ ገለጹ።