MAP

ር.ሊ.ጳ. ህልቂት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዲ.ረ. ኮንጎ፡ ናይ ሰማእታት ደም ዘርኢ ሰላም ክኸውን ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ህልቂት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዲ.ረ. ኮንጎ፡ ናይ ሰማእታት ደም ዘርኢ ሰላም ክኸውን ይጽልዩ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ህልቂት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዲ.ረ. ኮንጎ፡ ናይ ሰማእታት ደም ዘርኢ ሰላም ክኸውን ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብምኽንያት እቲ ዕለት 27 ሓምለ ኣብ ቑሸት ኮማንዳ ኣብ ዝርከብ ቁምስና ቢንሄውረውስ - ኣኑኣሪተ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተበሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎትን ቅርበትን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፣ "እዚ መዓት እዚ ንውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ናይቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ናይዚ ዞባ ክንሰርሕ ዝያዳ ይድርኸና" ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ምሸት ዕለት 27 ሓምለ ኣብ ከተማ ኮማንዳ ምብራቓዊ ኽፋል ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ዝወረደ መጥቃዕቲ "ጓሂ" ከምኡውን "ዓሚቝ ሓዘን" ክም ዘሕደረሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊክ ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይታ ሃገር ኣቦ መንበር ናይ ሉቡምባሺ ሊቀ ጳጳሳት ፉልገንሰ ሙተባ ሙጋሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከም ዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

ጓሂን ዓሚቝ ሓዘንን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘንን ቅርበትን ጸሎትን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፣ ኣብ ዞባ ኢቱሪ ቁሸት ኮማንዳ ኣብ እትርከብ ቁምስና ቢንሄውረውስ - ኣኑኣሪት ዝተፈጸመ ንስግደትን ኣምልኾ ዝተኣከቡ ብዙሓት ምእመናን ንሞትን ማህሰይትን ዝደረኸ መጥቃዕቲ  ዘሕደረሎም ከቢድ ሓዘን ገሊጾም፣ "ነቶም ብኸቢድ ዝተጎድኡ ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰብ ክርስትያንን ኣብ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኖምን ቅርበቶምንገሊጾም  “ኣብ ጸሎተይን ህልዋን ኢኹም፣ እግዚኣብሔር ጽንዓቱ ይሃብኩም - ቢሎም - "እዚ መዓት እዚ፡ ንውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ናይቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ናይዚ ዞባ ክንሰርሕ ዝያዳ ይድርኸና” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ደም ሰማእታት ዘርኢ ሰላም ይኹን

ኣብቲ ግብረ - ሽበራ ብተደጋጋሚ ዝፍጸመሉ ንኸምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ጓና ኣብ ዘይኮነ ከባቢ ዘጋጠመ ሓድሽ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ኣረመናዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፣ ርግኣትን ሰላምን ናይ ምርካብ ተስፋ ክህሉን ከምኡውን ደም እዞም ሰማእታት እዚኣቶም ዘርኢ ሰላምን ዕርቅን ሕውነትን ፍቕርን ንዅሎም ህዝቢ ኮንጎ ክኸውን ከም ዝጽልዩ ኣረጋጊጾም፣ ኣብ መወዳእታ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ናብቲ ኣብ ቁሸት ኮማንዳ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቁምስና ቢንሄውረውስ - ኣኑኣሪተ ብፍላይ ከኣ "ናብቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ንመላእ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

29 Jul 2025, 15:35