ዝስዕብ መደባት ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14
ኣባ ተወልደ መብርህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዚቕጽል ኣዋርሕ ነሓሰን መስከረምን ሓያሎ መደባት ኣገልግሎት ሥርዓተ ኣምልኾ ክፍጽሙ ኢዮም። ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ሥርዓተ ኣምልኾታት ትማሊ ሓሙስ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝምርሕዎ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾታት መርሓ ግበር ኣሕቲሙ። ቅዱስ ኣቦና ካብ ሰንበት ዕልት 6 ሓምለ ኣትሒዞም ንእተወሰነ እዋን ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ከሕልፉ ኢዮም።
መርሓ ግብር ወርሒ ነሓሰ
እቲ ቐዳማይ ዓብዪ መደቦም ንሰንበት ዕለት 3 ነሓሰ ንግሆ ብምኽንያት ኢዮቤል መንእሰያት ዘዕርቅዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክኸውን ኢዩ። እቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብታ ኣብ ወሰናስን ሮማ እትርከብ ቶር ቨርጋታ ኢዩ ክካየድ፣ እዚ ቦታ እዚ ኸኣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል 2000 ዓ.ም. ዘዕረግዎ ታሪኻዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘዘኻኽር መደብ ክኸውን ኢዩ።
ሓሙስ ዕለት 15 ነሓሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝኻየድ ንክብረ በዓል ቅዱስ ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ ምኽንያት ብምግባር ንዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ውን ክመርሑ ኢዮም።
መርሓ ግብር ወርሒ መስከረም
ሰንበት ዕለት 7 መስከረም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ናይ ብፁዕ ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲን ናይ ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስን ኣዋጅ ቅድስና ንምክያድ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም። እዛ ዕለት እዚኣ ኣብቲ ብዕለት 13 ሰነ እተኻየደ ኣብ ናይ መጀመርታ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘመልከትዋ ዕለት ኢያ ዝነበረት።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሰንበት ዕለት 14 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣብቲ ኣብ ስግር መናድቕ ሮማ ዝርከብ ብዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ንዝካየድ ኤቁመናዊ መደብ ዝኽሪ ናይቶም ሓደስቲ ሰማእታትን መሰኻኽር እምነትን ክመርሑ ኢዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ መስከረም ዝመደብዎ ናይ መወዳእታ ሓፈጻዊ መርሓ ግብር፣ እቲ ኣብ ሰንበት ዕለት 28 መስከረም ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓመት እልልታ ንነጋድያን መምህራትን ትምህርተ ክርስቶስ ክኸውን ኢዩ።