ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንሓንቲ ኣደ ሰላም መሰረታዊ መሰል ምዃኑ የረጋግጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
Piazza San Pietro - ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተሰምየ ወርሓዊ ኢጣሊያዊ መጽሔት ናይ ሓምለ ሕታም ንኢዮቤልዮ መንእሰያት ዝተወፈየ ኮይኑ፣ ኣብኡ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዛይራ ዝተባህለት መንእሰይ ኣደ ሰለስተ ቆልዑ፣ ብዛዕባ መሰል ሰላም ዘለዋ ስክፍታታት ዝምልከት ንዘቕረበቶ ሕቶን ቅዱስነቶም ዝሃብዎ መልስን ዘጠቓልል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መሰረታዊ መሰል
ዛይራ ኣብቲ መጽሔት ዝተሓትመ ጽሑፋ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ “ዓሚቝ ኣድላይነት ሰላም” ብምስትንታን፣ “ኲናት ዓለም እንተተላዒሉ ሕልሚ ቆልዑ እንታይ ክኸውን እዩ? ወለዲ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ እንታይ ክኸውን እዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ተቕርብ፣ ቆልዑ ሓደ መራሒ ሃገር ናቱ ዘይኮነ መሬት ክምንዝዕን ክገዝእን ድሌት እንተሃልይዎ፡ እዚ ተግባር እዚ ብቐሊሉ ሕልምን ዕላማን መጻኢ ዘብርስ ምዃኑ” ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑት ተጉልሕ፣ “ሰላም መሰረታዊ መሰል ክነሱ ስለምንታይ ኢና ነዚ መሰረታዊ መሰል እዚ ሸለል ንብሎ ዘሎና” ዝብል ሕቶ እውን ተቕርብ።
ልቢ ኣምላኽ ዝትንክፍ ጻውዒት
ኣብ ተመሳሳሊ ሕታም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንደብዳቤ ዛይራ፣ ዝሃብዎ መልሲ ንንባብ ከም ዝበቐዐን፣ ነቲ ዛይራ ዘቕረበቶም ሕቶ “ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዝበጽሕ ኣውያት” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብምግላጽ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ዘለናዮ ቦታ ኣብቲ ከቢድን ኣንፈት ዝሰርቕን ህሞታት ከም ዝራኸበና የጉልሑ፣ እንተኾነ ግን ኣብዚ እዋን እዚ ተሓላቒ ምዃን ዘይኮነስ፣ ፍቕሪ ኣምላኽ “ንሰናይን ንሓድነትን ሰብኣዊ ስድራ ቤት፡ ብቐጻሊ ኽንዋሳእ ይጽውዓና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሰላም ንጡፍ ህያብ እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ንመጀመርታ ግዜ ምስቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ "ኣብ ክርስትያናዊ ርድኢት ይኹን ኣብ ሓያሎ ኻልኦት ሃይማኖታዊ ትውፊታት ሰላም ቅድም ቀዳድም ውህበት ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብምዝካር፣ እዚ ህያብ እዚ ግን ብግብሪ ጥራሕ ክረጋገጽ ከም ዘለዎ ኣመላኺቶም፣ ባህላውን ሃይማኖታውን ድሕረ ባይታና ብዘየገድስ ንኹላትና ዝብድህን ዘሳትፍን ህያብ እዩ። እዚ ህያብ ሰላም እዚ “ብኣጽዋር ጥራይ ዘይኰነስ ብቓላት እውን ክነቝስሎ ወይ ከነጥፍኦ ስለ እንኽእል፡ ትዕቢትን ቂምታን ካብ ሱሩ ንምምሓው፡ ቃላትና ብጥንቃቐ ምምራጽ ይግባእ . . . እዚ ውህበት ሰላም እዚ “ኣብ ልቢ እዩ ዚህነጽ፡ ካብ ልቢ ድማ ይጅምር” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሕቶ ዛይራ ብኽፉት ልቢ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኩነታትን ምስፋሕ ኩናትን መፍትሒ ከምዘየለ ኮይኑ ክስምዓካ ክገብር ይኽእል ይኸውን፣ እዚ ኵነትን እቅዋምን ድማ “ልብና ንምንጻሕ፡ ማለት ናይ ሰላም ርክብ ንምህናጽ ብህጹጽ ዝጽውዓና” ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ ይሕብር።
ሰላም ዘተን ጸሎትን ይሓትት
ነዚ ንምግባር ድማ ኩሉ ሰብ ናብ ኣምላኽ ሰላም ዘቕርቦ ጸሎት ከሐይልን ከም ማሕበረሰብ ይኹን ብውልቂ መዓልታዊ ንሰላም ንምጽላይ ግዜ ክውፍይ ቅዱስነቶም ተላብዮም፣ ብተወሳኺ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ዘተ ብጸሎት ክስነይ ኣለዎ፣ እዚ ድማ “ናይ ግርጭት ዘይኮነስ ሓቀይና ናይ ርክብ ባህሊ ንምስፋን፣ ከምኡ’ውን ከምቲ ቅድመይ ዝነበሩ ፍቕሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኩሉ ግዜ ዝላበውዎ ዝነበረ፣ ናይ ስልጣን ደረት ክግበር” ክሕግዝ እዩ ቢሎም፣ ኣብ መደምደምታ ጸሎትን ተግባርን ምውህሃድ ብድሆ ምዃኑ እኳ እንተተገንዘቡ፡ ብዝኾነ “ብንኣሽቱ ርጉኣት ስጉምትታት ግን ተኻኣሊ እዩ . . . ውግእ ናይ መወዳእታ ቃል ከም ዘይኮነ ብምጉላሕ “ቆልዑ ሓቀይና ፍትሓውን ነባርን ሰላም ክረኽቡ መሰል ኣለዎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።