MAP

2025.07.04 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ናይ ሞንተነግሮ መራሔ መንግስቲ 2025.07.04 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ናይ ሞንተነግሮ መራሔ መንግስቲ  (@VATICAN MEDIA)

ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ናይ ሞንተነግሮ መራሔ መንግስቲ

ዕለት 4 ሓምለ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ሞንተነግሮ መራሔ መንግስቲ ሚሎይኮ ስፓጂች ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 4 ሓምለ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ሞንተነግሮ መራሔ መንግስቲ ሚሎይኮ ስፓጂች ኣብ ሃዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፣ መራሔ መንግስቲ ስፓጂች ኣስዒቦም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝምድና ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ምዉቕ ዘተ፣ "ብህሉው ሰናይ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዘለዎም ዕግበት ገሊጾም፣ ንርክባት ቤተክርስትያንን ሃገርን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ኣማእኪሎም ከም ዝዘተዩን ቀጺሎም ኣብ ዝተፈላለዩ "ዞባያውን ኣህጉራውን ጉዳያት፡ ብፍላይ ድማ ንሕብረት ኤውሮጳ ናብ ሃገራት ምዕራባዊ ባልካን ንምስፋሕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ግጭት" ኣቓልቦ ሂቦም ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ሞንተነግሮ መራሔ መንግስቲ
05 Jul 2025, 17:33