ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ሳኦ ቶሜን ፕሪንሲፐን ተራኺቦም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 30 ሰነ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ሳው ቶሜን ፕሪንሲፐን ርእሰ ብሔር ካርሎስ ማኑኤል ቪላ ኖቫ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ካርሎስ ማኑኤል ቪላ ኖቫ ካብ ቅዱስቶም ተሰናቢቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከም እተራኸበ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሰኑይ ዕለት 30 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ሳው ቶሜን ፕሪንሲፐን ርእሰ ብሔር ካርሎስ ማኑኤል ቪላ ኖቫ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ፡ ርእሰ ብሔር ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ሳው ቶሜን ፕሪንሲፐን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ክሌኣዊ ዘተ ከም ዘካየዱን ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ሳው ቶሜን ፕሪንሲፐን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ብፍላይ "ንገለ መዳያት ፖለቲካውን ማሕበረ - ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ምስታ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ መዳያት ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዝግበር ምትሕብባር፡ ኣብ ሕንጸት መንእሰያት ናይቲ ደሴታት ዘለዋ ልዑል ተራ ከምእተሰመረሉ ኣመላኺቱ፣ ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት'ውን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም፣ ኣገዳስነት ምድንፋዕ ዘተን ምትሕብባርን ኣህዛብ ከም ዘጉልሑ ኣፍሊጡ።
01 Jul 2025, 16:03