MAP

2025.06.15 Giubileo dello Sport - Santa Messa 2025.06.15 Giubileo dello Sport - Santa Messa  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ፦ ዕድመና ብዘየገድስ ተስፋ ምንጪ ሓጐስና እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ንሰንበት ዕለተ ኣባሓጐታትን እኖሓጐታትን ሽማግሌታን ምስ ክብረ በዓል ናይቶም ኣባሓጐን እኖሓጐን ኢየሱስ ዝኾኑ ቅድስቲ ሃናን ቅዱስ ኢያቄምን ተዘኪሩ ዝዕል ብምምልካት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ ተስፋን ሽምግልናን የስተንትኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ንኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታትን ኣብ ዕልት 27 ሓምለ ቀቅድሚ ምዝካሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ዕድመና ብዘየገድስ ተስፋ ዘየቋርጽ ምንጪ ሓጐስና እዩ" ብምባል የዘኻኽሩ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "እዚ ተስፋ እዚ ድማ ንነዊሕ ዓመታት ብሓዊ ተፈቲኑ ምስ ዝሓልፍ ምንጪ ዓሚቝ ሓጐስ ኢዩ ዝኸውን" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብቲ ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ካብ ከም እኒ ኣብርሃም ሳራን፣ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን፣ ከምኡውን ሙሴ ዝኣመሰሉ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጠቒሶም ዘለው ሰባት ብምጥቃስ ብዛዕባ ሽምግልና ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣስተንትኖ ለጊሶም።

"እዛ ሕጂ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት ኢዮቤል ዕድመና ብዘየገድስ ተስፋ ዘየቋርጽ ምንጪ ሓጐስ ምዃና ንኽንግንዘብ ትሕግዘና ኢያ። እዚ ተስፋ እዚ ንነዊሕ እዋን ብሓዊ ምስ ዝፍተን ከአ ምንጪ ዓሚቝ ሓጐስ ኢዩ ዝከውን።"

ሽማግሌታት ናይ ተስፋ ምልክት ኢዮም

እቲ ኣብ ቅዱሳት መሳሕፍቲ ተጠቒሱ ዘሎ ታሪኽ ድሕነትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን "ሽምግልና ጊዜ በረኸትን ጸጋን እዩ፣ ሽማግሌታ ኸኣ . . . ናይ መጀመርታ መሰኻኽር ተስፋ ኢዮም።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንህይወት ቤተ-ክርስትያንን ዓለምን ወለዶታትን ከም ሓላፊ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ፣ እቶም ሽማግሌታት ደገፍ መንእሰያት ዜድልዮም እኳ እንተ ዀኑ፣ ተመክሮ ንዘይብሎም መንእሰያት ከም ምስክር ኰይኖም ኬገልግሉ ኸም ዚኽእሉን፣ "ንመጻኢ ዝኸውን ብጥበብ ንምህናጽ" ድማ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቶም ኣረጋውያን ከም ኣብነት እምነትን ተወፋይነትን፣ ሲቭላዊ ውርዝናን ማሕበራዊ ተጸምዶን፣ ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ገይሮም ዝርእይዎ "ኽቡር ውርሻ" ወትሩ "ምንጪ ምስጋናን ጽንዓትን" ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

"ስለዚ ንኣምላኽ ሽምግልና ኣብ ኣዒንቱ እዋን በረኸትን ጸጋን ከም ዝዀነ፣ ኣረጋውያን ከኣ ንዕኡ ናይ መጀመርታ መሰኻኽር ተስፋ ምዃኖም ምሂሩና እዩ።"

ተስፋ ሽማግሌታትን ኣረጋውያንን

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣረጋውያን እውን ተስፋ ኸም ዜድልዮም ገለጹ። ዓመት ኢዮቤል ብትውፊት ኸም እዋን ሓርነት ጌርካ ኸም ዚርአ ብምዝካር፣ ንኵሎም ሽማግሌታትን ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋን "ብፍላይ ካብ ጽምዋን ምግላልን ሓርነት ምንቲ ከስተማቕሩ" ንምሕጋዝ ከም እተጸውዑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዘመናዊ ሕብተረሰብ ሽማግሌታት ኣብ ግምት ብዘይምእታው ክርስዑ ዝከኣል ኢዩ። "ነዚ ዅነታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው መላእ ቤተ-ክርስትያን ሓላፍነት ከም ዘለዋ መጠን ብህጹጽ ተሓድሶ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ።

ነፍሲ ወከፍ ጓሳ ነፍሳት ንናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ንምድጋፍ "ነቶም ከም እተረስዑ ዀይኑ ዝስምዖም ሰባት ተስፋን ክብርን ናብ ንቡር ንምምላስ ርክብ ንምምስራት" ከም ዝጽውዕ ድማ ኣትሪሮም ተዛረቡ። ብፍላይ ንኣረጋውያን ብዚምልከት ክርስትያናዊ ተስፋ "ነቲ ዚግብኦም ኣኽብሮትን ፍቕርን ንምምላስ ክንዓዪ የለዓዕለና እዩ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ብፍላይ ከኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንፍራንቸስኮ በይኖም ዝነብሩ ሽማግሌታት ክንረኽቦም ከም ዝደልዩ ከምኡውን እቶም ናብ ሮሜ ክመጹ ዘይክእሉ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ንሽማግሌታት ጓሶት ነፍሳት ክበጽሕዎም ከም ከም ዘለዎም ዝገበርዎ ኣጋጣሚ ይዝክሩ።

አመክንዮታት ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዕብ ኣቢሎም ሽማግሌታት ኣብ ግዜ እርጋኖም እውን ከይተረፈ ዅሉ ሰብ ከፍቅርን ክጽልን ከም ዝኽእል ብምርግጋጽ፣ ተስፋ ንኽገብሩ ኣተባብዕዎም። "ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ዘሎና ፍቕሪ . . . ሓይልና ምስ ዝጽንቀቕ ኣይሃስስን ኢዩ፣ ኣብ ክንድኡስ "ንሓይልና የሐድሶ ተስፋን ምጽንናዕን ድማ የምጽኣልና ኢዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

"ዝዀነ ይኹን ጸገም ኬጥፍኦ ዘይክእል ናጽነት ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ናይ ምፍቃርን ናይ ምጽላይን ናጽነት እዩ። ኵሉ ሰብ ወትሩ ኼፍቅርን ኪጽልን ይኽእል እዩ" ውን በሉ።

እዚ "ምልክታት ተስፋ" እዚ "ትብዓት ይህበና" ብምባል ውን ቅዱስነቶም ይገልጹ፣ ሽምግልና እናሃለወ ኽነሱ "ውሽጣዊ መንነትና" ብቐጻሊ ኸም ዝሕደስ ድማ የዘኻኽረሩና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብፍላይ እናዓበና ብዝኸድናሉ መጠን ብጸሎትን መዓልታዊ መሥዋዕተ ቅዳሴን እናተሓደስና፣ ኣብ ጐይታ ብምትእምማን ንቕድሚት ንስጕም" ይብሉ፣ ከምኡውን ንኣምላኽ እናወደስናን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ሓድነት ከም ዚሰፍን እናገበርናን "ነታ ንብዙሕ ዓመታት ዝተኸተልናያ እምነት ብፍቕሪ ነመሓላልፋ" ክብሉ ተላበው።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ መደምደምታ "በዚ ኸምዚ ዕድመና ብዘየገድስ ምልክት ተስፋ ኽንከውን ንኽእል ኢና" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

11 Jul 2025, 13:11