ር. ሊ. ጳ. ንመንእሰያት፦ ኵላትና ነጋድያን ኢና፣ ወትሩ ውን ነጋድያን ኢና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቀዳም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ንንግደት ዓመት ኢዮቤል ናብ ከተማ ሮሜ ኣብ ዝገበርዎ ዘለዉ ንግደት ካብ ዴንማርክ ኣይርላንድ ዓዲ እንግሊዝ ዌልስ ስኮትላንድ ዝመጹ ነጋድያን ተቐቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣካፈልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቶም ኣብ ዴንማርክ ካብ ዝርከብ ሰበኻ ኮፐንሃገን ዝመጹ መንእሰያትን ካብ እተፈላለያ ደሴታት ብሪጣንያ ዝመጹ ሓያሎ መምህራንን ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ንነፍሲ ወከፎም ስለቲ ኣብኡ ምህላዎም ኣመስገንዎም ከምዚ ድማ በሉ - "ኣስኣሰር እቶም ንዘመናት ናብዛ መዲና ክርስትና ከምዚ ዓይነት ጕዕዞ ዝገብሩ፣ ኻብ እተፈላለያ ሃገራትዝመጹ ማእለያ ዘይብሎም ነጋድያን ኢኹም እትስዕቡ ዘሎኹም።"
ታሪኽ ነጋድያን
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ከተማ ሮማ ንክርስትያን ምእመናን ፍልይቲ ቦታ ኸም ዝኾነት ኣዘኻኸርዎም፣ እዚ ኸኣ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ንወንጌል ንምምስካር ህይወቶም ዘወፈዩላ ከተማ ብምዃና ኢዩ፣ እቶም ነጋድያን ከኣ ብርታዐን መንፈስን ብቐጻሊ ዝረኽቡላ ኸተማ እያ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ናብቲ ቅዱስ ቦታታት ብምኻድ ካብቲ ቅዱሳትን ሰማእታት ንክርስቶስ ብኸመይ ከም ዝሰዓብዎ ዝገልጽ ዓሚቝ ኣብነት መንፈስን ተስፋን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም" ክብሉ ውን ተላበውዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮም ቀጺሎም ብዛዕባ ዕላማ ንግደት እንከስተንትኑ ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዜስግል ነገራት ርሒቖም "ንኣምላኽ ብዝያዳ ንምርኻብ ግዜን ቦታን" ክህቡ ከም ዝለዎም ገለጹ። ብከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት መንፈስ ቅዱስ ንልቢ ክርስቲያን ብዝያዳ ኸም ዚቐርጾ ገለጹ።
ንመንእሰያት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ መንእሰያት እንክዛረብዎም፣ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፎም ንህይወቶም ዝኸውን መደብ ከም ዘለዎ ኣዘኻኸሮም። "ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ብዕላማን ተልእኾን እዩ ፈጢርኩም" በልዎም። ነቲ ንግደት ንጸሎትን ንኣስተንትኖን ከም ኣጋጣሚ ገይሮም ኪጥቀሙሉ ውን ኣተባብዕዎም ፣" ድምጺ ኣምላኽ ኣብ ልብኹም ብንጹር ክሰምዑ" ድማ ተማሕጸንዎም።
ንመLjራኖም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብቕጻል ናብቶም መምህራን ብምምላስ ብዛዕባ እቲ ንናይ መጻኢ ወለዶታት ኣብ ምዅስኳስ ዘለዎም ግደ ተዛረብዎም። "ቈልዑ ብፍላይ ብእምነትኩም ኣነባብራኹምን ከም ኣርኣያ እምነት ገይሮም ክርእዩኹም ኢዮም" በልዎም። ምስቲ "ምሳሌ ዅሉ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ትምህርትታት" ዝሃበና ክርስቶስ ናይ ገዛእ ርእሶም ርክብ ከማዕብሉ ውን ኣተባብዕዎም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ነጋድያን ጕዕዞኦም ኣብ ሮሜ ኸም ዘይዛዘም ኣዘኻኸርዎም። "ንግደትና ኣየብቅዕን እዩ፣ የግዳስ ኣትኵሮና ናብቲ መዓልታዊ ዚግበር 'ጕዕዞ ደቀ መዛሙርቲ' እዩ ዝመርሓና" በሉ። እቲ ናይ እምነት ጕዕዞ ብድሆታት ዘለዎ እኳ እንተዀነ ብምሕረት ኣምላኽን ብምስክርነት ቅዱሳንን ከምኡውን ብሓገዝ ካልኦትን ኢዩ ዝቕጽል ክብሉ ድማ መዓድዎም።