MAP

TOPSHOT-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-GAZA TOPSHOT-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-GAZA  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. እቲ ኣብ ልዕሊ ቃዛ ዝፍጸም ዘሎ 'ኣረሜናዊ ተግባር' ኬቋርጻ ይላበው

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደድሕቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ነቶም ኣብ ከተማ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ቍምስና ቅድስቲ ስድራቤት ብዝወረደ ደብዳብ እተቐትሉ ሰለስተ ሰባት እተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፣ እዚ ድማ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ቅዱስ ቦታታትን ዝወርድ ዘሎ "ቐጻሊ" መጥቃዕትታት ድማ ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 በቲ እስራኤላውያን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ከትማ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤተ-ክርስትያን ብዘውረድዎ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖም "ዓሚቝ ጓሂ" ገሊጾም፣ ኣብታ ሃገር ከኣ "ነቲ ኣረሚናዊ ተግባር ብህጹጽ ደው ከብልዎ" ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

እታ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ስድራ ዝሓለፈ ሓሙስ ንግሆ ድሕሪ ምድብዳባ ካብቶም ኣብኡ ተዓቚቦም ዝንበሩ ኣስታት 600 ዝዀኑ ቃዛውያን ሰለስተ ከም እተቐትሉን ሓያሎ ኻልኦት ድማ እንተላይ ቆሞስ እታ ቤተክርስቲያን ክቡር ኣባ ጋብሪኤለ ሮማነሊ ውን ቆሲሎም ይርከቡ ኣለው።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ናይ ክረምቲ መንበሪ ገዝኦም ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ድሕሪ ምድጋም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፡ ነቶም እተቐትሉ ሰለስተ ግዳያት — ሳድ ኢሳ ኮስቲንዲ ሰላሜን፡ ፎምያ ኢሳ ላቲፍ ኣያድን ከምኡውን ናጅዋ ኢብራሂም ላቲፍ ኣቡ ዳውድን — ቢሎም ኣስማቶም ድሕሪ ምዝርዛር ምእንትኣቶምን ስድራቤቶምን ድማ ከም ዝጸለዩን "ቅርበቶም" ከም ዝገለጹን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ እቲ መጥቃዕቲ "ሓደ ኻብቲ ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብን ቦታታት ኣምልኾን ዝወርድ ዘሎ ቀጻሊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ" ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ነዚ ኣረሜናዊ ዝኾነ ውግእ ብህጹጽ ደው ኬብልዎን" ኸምኡውን "ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሕዎን" ተማሕጸኑ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንሰብኣዊ ሥርዓተ ሕጊ ክሕሉን ንሰላማውያን ሰባት ናይ ምዕቋብ ግዴታ ከኽብርን "ሓባራዊ መጥቃዕቲ ብዘይ ኣፈላላይ ምክያድን፣ ሓይሊ ምጥቃምን ከምኡውን ንህዝቢ ኣገዲድካ ምምዝባልን" ክኽልክል ውን ተማሕጸኑ።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ "ፍቑር" ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ "ነዚ ዘሕዝን ኵነታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ገለ ክገብሩ ከም ዝኽእሊ ዀይኑ ኸም እተሰምዖም" ብምግላጽ ውን ጻውዒት ኣቕረበሎም።

"ኣብ ልቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብ ማእከል መላእ ቤተ-ክርስትያንን ኢኹም ዘሎኹም" ድማ ክብሉ ኣተባብዕዎም። "ስለምስክርነት እምነትኩም ድማ አመስግነኩም" ክብሉ ዘለዎም ሞሳ ገለጹሎም።

ምስ ናታንያሁ ተሌፎን ደወለ

በታ መዓልቲ እቲኣ ኣቐድም ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብታ ኣብ ጥቓ ናይ ካስተል ጋንዶልፎ  መንበሪ ገዝኦም እትርከብ ቤተክርስቲያን ኣልባኖ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ክምለሱ ከለዉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ሰላም ንምርካብ ጸልዩ ንዅሎም እቶም ጕጅለታት ናብ መኣዲ ዘተ ክመጹን ክዘራረቡን ከምኡውን ኣጽዋሮም ከራግፉ ድማ ከነማልደሎም" ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ዓለም ደጊም ክንቆጻጸራ ኣይንኽእልን እና" ድማ በሉ። "ብዙሕ ግጭትን ብዙሕ ውግኣትን ኣሎ" ክብሉ ድማ ዝተሰምዖም ሓዘን ገልጹ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ቤንጃሚን ናታንያሁ ቀዳማይ ምኒስተር ሃገረ እስራኤል ብዛዕባ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ጻውዒት ምስ ተሓቱ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፣ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ደው ንምባል "ሓድሽ ተበግሶ" ክግበር ተማሕጸኑ፣ ሰላማዊ ሕዝቢ ቃዛ ዝኸፍልዎ ዘለዉ "ኣሰቃቒ ዋጋ" ኣመልኪቶም ድማ ዝተሰምዖም ጓሂ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ መወዳእታ "ንቅዱስ ቦታታት ኵለን ሃይማኖታት ክንሕልውን ንሰላማውያን ሰባትን ክዕቅቡን፣ ዅሉ ዓመጻን ጽልእን ከኣ ከቋርጽ ንጽዓር" ክብሉ ተላበዉ።

21 Jul 2025, 16:11