ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንሕጻናት፥ "ካብ ንእስነትኩም ጀሚርኩም ድልድል ሓነጽቲ ኩኑ!”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ዋላ'ውን ቆልዑ እንኮለና፡ ሃነጽቲ ድልድላት ምዃን ክንመሃርን ንኻልኦት ክንሕግዝ ዕድላት ክንደሊን ንኽእል ኢና!” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ዝበሉ ዕለት 4 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ዝረኸብዎም ሕጻናት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ክኸውን እንከሎ፣ ዝተፈለዩ ሰባት ብምቕባል፣ ሰላም ንምህናጽ ቃል ብምእታው ምስ ኢየሱስ ዕርክነት ክደልዩ ዘተባብዕዎ እምነት ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ንዝተፈላለየ ዕድመ እቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተረኽቡ ህጻናት ዝውክሉ ሰለስተ ህጻናት ንዝቐረብዎ ሰለስተ ሕቶታት መልሲ ዝሃቡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ መደብ ነቲ ሕጂ ኣብ ሻድሻይ ዓመት ዝበጽሕ ዘሎ ተበግሶ ንቕዱስነቶም ከም ዘላለየን ብሳሊዥያናዊ ካህን ኣባ ፍራንኮ ፎንታና ዝተዋደደን ምስ ማእከላት መንእሰያት ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝተወደበን ከም ዝኾነን፣ ኣብቲ ናይ ሓጋይ ደምበ ንህጻናት፣ ምስ ካልኦት ምርኻብን ዘተን ሓሳባት ምልውዋጥን ሓቢርካ ምጽዋትን፣ ጽልዒ ንኽስዕሩን ዝሕግዞም መርሓ ግብሪ ማእከል ዝገበረ ምዃኑ እውን ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ቅዳሴ ምስታፍ
ቀዳማይ ሕቶ ካብ ጁልያ ዝመጸ ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብንእስነቶም ናብ ቅዳሴ ይኸዱ ድዮም ዝብል ሕቶ ኮይኑ፣ "ትሑዝ!" እንክብሉ ብውዕዉዕ ስምዒት መሊሶም፣ "ኩሉ ግዜ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ምስ ወለደይ! ቀጺሎም ኣብ ቺካጎ ዝኽርታት ግዜ ቁልዕነቶም እንከካፍሉ፡ "ኣብ ከባቢ ሽዱሽተ ዓመት ዕድመይ ኣብ መንበረ ታቦት ከገልግል ጀሚረ። ቅድሚ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻደይ እቲ ዝኸዶ ዝነበርኩ ቤት ትምህርቲ ድማ ናይ ሰበኻ እዩ ዝነበረ - ሰዓት 6፡30 ንግሆ ኣብ ቅዳሴ ንሳተፍ ኔርና። ኣደይ ኩሉ ግዜ 'ናብ ቅዳሴ ንኺድ' ብምባል እያ ተበራብረና ዝነበረት . . . "ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፡ ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ቀረባ ምዃኑ፡ ንሱ ብሉጽ ዓርኪ ምዃኑ ተማሂረ፡ ቅዳሴ ድማ ነቲ ዓርኪ ንምርካብን፡ ምስኡ ክትከውን ዝሕግዝን መንገዲ እዩ ነይሩ - ቅድሚ ቀዳማይ ቍርባን ምቕባለይ እውን ከይተረፈ።"
ኣብቲ ግዜ ድማ ቅዳሴ ብቋንቋ ላቲን ከምዝነበረ ዘኪሮም: "እቲ ቅዳሴ ንኽርድኣና ድማ ላቲን ክንመሃር ነይሩና: ጸኒሑ ቅዳሴ ናብ እንግሊዘይና ከም እተቐየረን” ይኹን እምበር "እቲ ኣገዳሲ ዝነበረ ናይ ቅዳሴ ቋንቋ ዘይኮነስ ምስ ካልኦት እትሓብረሉ ኣብ ቅዳሴ ናይ ኣገልግሎት ተመክሮ፣ ዕርክነት፣ ቅርበት ምስ ኢየሱስን ናይ ኢየሱስ ቅርበትን እነስተማቕረሉ እዩ ነይሩ።”
ድልድላት ምህናጽ
ስዒቡ ካብ ኤዶዋርዶ ዝመጸ ሕቶ፡ ንሱ ድማ ነቲ ናይ ሓጋይ ደምበ መርሕ ቃል ብምጥቃስ፡ ህጻናት ነቶም ዝተፈላለዩ ብኸመይ ክቕበልዎም ከም ዝኽእሉ ዝምልከት ኮይኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ መደብ ንዝሓበሩ ካብ ዩክረይን ዝመጹ ህጻናት ብእንግሊዘይና ቋንቋ ሰላምታ ብምሃብ፣ . . . ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ቋንቋታትን ባህልን ዝመጹ ምርኻብ - ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ . . . እቶም ቆልዑ "ተመኩሮ ናይ ርክብ፡ ናይ ምርኻብ፡ ናይ ሓድሕድ ምክብባርን ኣብ ነንሕድሕዶም ዕርክነት ክመሃሩን ክሓቑፍን" ኣተባቢዖም፣ ዩክሬን “ብሰንኪ ውግእ ኣዝያ ትሳቐ ዘላ መሬት” ምዃና ኣዘኻኺሮም፣ ብሰንኪ ፍልልይ ቋንቋ ንዝፍጠር ብድሆታት ርክብ፡ "እወ፡ ንሓድሕድካ ክትረዳዳእ ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ . . . ምስ ዝተፈለየ ሰብ ክትራኸብ ዕድል ምስ ዝህሉ ግን፣ ሓድሕድ ምክብባር ምምሃር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ይገልጹ፣ "ኣብቲ ፍልልያት ኣይትተኩሩ . . . ንሓደ ርክብ ብኣኽብሮት ከመይ ጌርካ ከም እትነብሮ ምርኣይ - ድልድላት ንምህናጽ፡ ዕርክነት ንምህናጽ፡ ኩላትና ኣዕሩኽ፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት ክንከውን ከም እንኽእል ክስቆረና ኣለዎ። በዚ መንገዲ እዚ፡ ብሓባር ክንከይድን ንቕድሚት ክንስጉምን ንኽእል ኢና።" እዚ ኩሉ ግዜ ቀሊል ከምዘይኮነ ቅዱስነቶም ተኣሚኖም - "ሓድሓደ ግዜ ፍሉይ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ፣ ከመይሲ - 'ንሱ ከማይ ኣይኰነን ንሳ ከማይ ኣይኮነትን ፍሉይ እዩ ፍልይቲ ኢያ ቢልና ኢና እንሓስብ . . . ይኹን እምበር "ንሓድሕድና ክንከባበር ከም ኣዕሩኽ ኴንና ብሓንሳእ ክንነብር ከም እንኽእል ክንፈልጥ ይግባእ” እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ሃቢሩ።
ንሰላም ምስራሕ
ኣብ መወዳእታ ዳምያኖ ናብ ኣርእስቲ ግጭት ዩክሬን ተመሊሱ፡ መንእሰያት ሰላም ንምህናጽ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ? እንክብል ንዘቕረቦ ሕቶ ቅዱስነቶም፣ "ካብ ንእስነትና ጀሚርና እውን ኩላትና ሃነጽቲ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ምዃን ክንመሃር ንኽእል ኢና . . . ናብ ውግእ ኣይትእቶ፡ ኣብ ባእሲ ኣይትእቶ፡ ጽልኢ ፈጺምካ ኣይተስፍሕ። . . . ናብ ቅንኢ ክመርሓካ ዝኽእል ወይ ኣብ ልብኻ ደስ ዘይብል ነገር ክስምዓካ ዝገብሩ ነገራት ክህልው ከም ዝኽእል ድማ ኣብሪሆም . . . ኣብ ክንድኡስ "ኢየሱስ ንኹሎም ኣዕሩኽ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንከውን ክንመሃር ይጽውዓና። ኣብቲ ተመኩሮ፡ ጣልያናውያን፡ ኣመሪካውያን፡ ዩክሬናውያን ንኹን - ሃገርና ዝኾነ ይኹን - ኩላትና ደቂ ኣምላኽ - ውላድ ኣምላኽ ኢና! ካብ ንእስነቶም "ሓድሕዳዊ ምክብባር ክመሃሩን፣ . . . ነቲ ካልእ ከማይ ሰብ ምዃኑን ከም ሰብ ክርእይዎ፣ ካልእ ቋንቋ ስለ ዝዛረብ፤ ክትዛረቦ ዘይከኣል ይኸውን - እዚ ሓቂ ኣይኮነን! ምልክት ኣካላት'ውን ኣሎ። ነቲ ካልእ ክትቀርበሉ እትኽእለሉ መንገድታት ኣሎ። ማይን እንጌራን ምክፋል፣ ሓገዝ ብምቕራብ . . . ብጀካ ቋንቋ ካልእ መገድታት ክንረክብ ንኽእል ኢና . . . ምስ በሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ፣ "እቶም ዝነኣሱ እውን እንተኾነ ኣብ መንጎ ኩሎም ሰላም ዕርክነትን ፍቕርን ዘስፍሑሉ ኣጋጣሚታት ከናድዩ ይኽእሉ ኢዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።