ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዩክረይን ካርኪቭ ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ሰብኣዊ ሓገዝ ለጊሶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 በቲ ጉዳያት ግብረ ሰናይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣቢሎም፣ ኣብ ቀረባ ኣብ ዩክሬይን ብከቢድ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ንዝተጎድኡ ነበርቲ ካርኪቭን ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ሮማ ባዚሊካ ቅድስቲ ስፍያ ዝተበገሰ ሰብኣዊ ሓገዝ
ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ግብረ ሰናይ ህየንተ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ብዛዕባ እቲ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ረድኤት ኣማእኪሎም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስነቶም እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝተኻለ መጠን ብቕሉጥፍ ናብቶም ዝተጎድኡ ኣባይቲ ስድራ ክበጽሕ ከም ዝሓተትዎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ “ሰናይ ምግባር ዕረፍቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን . . . ስለዚ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ወትሩ ቀረባ ምዃን ኣገዳሲ እዩ” ኢሎም።
ካብ 2022 ጀሚሩ ናብታ ትሳቐ ዘላ ሃገር ምብራቕ ኤውሮጳ ማእከል ግብረ ሰናይ ካብ ዝኾነ ኣብ ከተማ ሮማ ካብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሶፊያ ከም ዝለኣኽን እዚ ሕጂ ዝተላእከ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዞባ ካርኪቭ ናብ ዝርከብ ቁሸት ስታርይ ሳልቲቭን ከተማ ሸቭቸንኮቨን ምዃኑ ድማ ይሕብሩ።
ብቐጥታ ናብ ዝተጎድኡ ኣባይቲ ስድራ ዝበጽሕ ሰብኣዊ ሓገዝ
እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቐጥታ ናብቶም ካብቲ ዘመተ ዝደሓኑ ኣባይቲ ስድራ ብዘይ ሞንጎይናን ብኻልኦት ትካላት ረድኤት ዝቐርብ ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጾም፣ ኣብቲ ዝተላእከ ሰብኣዊ ረድኤት እውን ብቋንቋ ጣልያንን ዩክሬይንን “ህያብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንህዝቢ ካርኪቭ” ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ምዃኑ ገሊጾም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ልክዕ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይ ዩክሬይናውያን ስቓይ ከምዘይረሰዑ ዝምስክር ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማቴዮ ብሩኒ ዕለት 16 ሓምለ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።