ር. ሊ. ጳ. ልዮን ምእንቲ ሰላምን መእንቲ እቶም ብሰንኪ ውግእ ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባትን ክንጽሊ ጸዊዖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ደድሕሪ እቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዅሎም ሰባት ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ከምኡውን ንዅሎም እቶም ብሰንኪ ዓመጽን ውግእን ዝሳቐዩ ዘለዉ ክዝክሩን ክርሕርሑሎምን ጻውዒት ኣቕረቡ።
እዚ ቓላት እዚ ነቲ ኣገዲሞም ሰንበት ንግሆ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሰ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምሳሌ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘሎ፣ ዝቘሰለ ሰብኣይ ከምኡውን ዓመጽን ድኽነትን ንሕልምታትን ህይወትን ብኸመይ ከም ዘጥፍኦ ንዝበልዎ ቃላት ውን ዘቃልሕ ኢዩ ዝነበረ።
ጅግንነት ዝመልኦ ምስክርነት ብፁእ ሊካሪኦን መይ
ድሕርዚ ነቲ ቀዳም ዕለት 12 ሓምለ ኣብ ባርሴሎና፣ ናይ ሓው ሊካርዮን መይ ፍራንስዋ ቤንጃሚን ዝተባህለ ብዝነበረ ንተጻባእትን ጽልኢን እምነት ብ1909 ኣብ እተላዕለ ህቡብ ናዕቢ እተቐትለ ሓው ማሪስት ዘከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ነቲ ትምህርታዊ ተልእኾኡ ንምፍጻም ምስቶም ዝደኸዩ ብውዕዉዕ ስምዒትን ብትብዓትን እዩ ዚመላለስ ነይሩ" ብምባል እቲ ምስክሩ ብፍላይ ነቶም ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዚሰርሑ "ንዅሉ ዜነቓቕሕ" ኰይኑ ኼገልግል ጸልዮም።
ንመራሕቲ መንእሰያትን መምህራንን ኣኽብሮት ሃቦም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ዓልም ሥነ ትምህርቲ ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል፣ ነቶም ኣብ ክረምቲ ምስ መንእሰያት ግዜኦም ዘሕልፉ መራሕቲ መንእሰያትን መምህራንን ኣመስገንዎም።
ኣብዚ ውዳቤ እዚ ንፌስቲቫል ፊልም ኢጣልያ ጂፎኒ ከም "ኣገዳሲ ተበግሶ" ገይሮም ጠቒስዎም ኣለዉ። እቲ ኣብ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ሳለርኖ ዚግበር ዝነበረ ፌስቲቫል ፊልም ዓመት ዓመት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ቘልዑን መንእሰያትን ዝሳተፍዎ ኢዩ።
እቲ ብዕለት 17 ሓምለ ዚጅምር ናይዛ ዓመት እዚኣ ፌስቲቫል "ሰብ ምዃን" ንዚብል ፍረ ነገር እተወፈየ ክኸውን እዩ።
ንካራቢንየሪ ኢጣልያ ጣቕዒት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ነቶም እተፈላለዩ ጕጅለታት ሰላምታ ብምሃብ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እሙናንን መንፈሳውይን በጻሕትን ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ኣካፈልዎም።
ነቶም ካብ ፖላንድ ዝመጹ ተሳተፍቲ ናይ ክረምታዊ ስልጠና ስነ-ጥበባዊ ትምህርቲ ሰላም በልዎም፣ ካብቲ ኣብ ሰበኻ ኣልካላ ደ ሄናረስ ዚርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያ ዝመጹ ነጋድያን ውን መበል 400 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ማሕበሮም የብዕሉ ነበሩ፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ሙዚቃ በዓል ሊስ ዝመጹን፣ ንጕጅለ ኣሓት ደናግል ኣጐስጢኖሳውያንንን መዘምራንን ሰላምታ ኣቕረቡሎም።
ብፍላይ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ብስም እቲ ኣኽቢርካ ዚርአ ሳልቮ ዳኲቶ እተሰምዩ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ቬለትሪ ካራቢንየሪ መደረ ቃል ሰምታ ኣመሓላለፉሎም ኣብታ ሃገርን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ኣብ ዚገብርዎ ኣገልግሎት ኪጸንዑ ድማ ኣተባብዖም፣ ንዅሎም እቶም ኣባኡ ከገልግሉ ዝወዓሉ ጉጅለ ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢጣልያ ካራቢኔሪ ድማ ብጣቕዒት ከመስግንዎም ሓተትዎም።