ር. ሊ. ጳ.፦ “ጨካን ልቢ ሒዝካ ንኣምላኽ ኣቦ ኢልካ ኽትጽውዖ ኣይትኽእልን ኢኻ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር እተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን፣ ኣብ ዝለገሱሎም ኣስተትንትኖ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝመሃሩሉ ክፍሊ ወንጌል ብምጥቃስ ኣስተንተኑ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም "እዚ ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብር ጸሎት እዩ" ድማ በሉ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ጸሎት እዚ ንኣምላኽ “ኣባ” ኢልና ክንጽውዖ ይዕድመና፣ እዚ ማለት ድማ ኣቦ ማለት ኮይኑ ከምቲ ህጻናት ንወለዶም ዝጽዑሉ “ትሑትን፣ ውሉዳዊ ምትእምማን ዘለዎ፣ ትብዓትን ፍቕርን ርጋግጽ ጸሎት ኢዩ" ክብሉ ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እውን ነዚ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጸልና፣ ኣብኡ ኸኣ "እዛ ጸሎት ጐይታና ከምቲ ነቦ፣ ንዓና ውን እትገልጸልና ኢያ፣ ንገዛእ ርእስና ትገልጸልና ጸሎት ውን እያ" ክብሉ ውን ኣስተንተኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ኣቦ ብዝያዳ ተኣማንነት ብዝጸለና መጠን "ፍቑራት ውሉድ ምዃንና እናፈለጥና ንኸይድ፣ ዕቤቱ ድማ ብዝያዳ እናፈለጥና ብዝኸድና መጠን" ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ እተጉልሕ ጸሎት ኢያ ክብሉ ውን ኣስተንተኑ።
ንነፍሲ ወከፍ ህሞት እትኸውን ጸሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ብሓድሽ ናብቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ብምምላስ ንባህርያት ኣቦነት ኣምላኽ ንምግላጽ ህያው ዝኾነ ምሳሌታት ከም ዘቕርበልና ከምዚ ብምባል ተዘክሮኦም ገለጹ - "ሓደ ፍርቂ ለይቲ ተንሲኡ ንፈታዊኡ ማለት ንሓደ ዘይተጸበዮ ጋሻ ሓንጐፋይ ኢሉ ንኽቕበሎ ዝሕግዞ ሰብ ዝደሊ ሰብ፣ ከምኡ ውን ንደቁ ጽቡቕ ነገር ክገብር ዝደሊ ወላዲ እውን ኢያ እተቕርበልና" ክብሉ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ኣምላኽ ናብኡ ኽንመጽእ ከለና ዝባኑ ኸም ዘይህበና" አዘኻኸሩ።
ወትሩ ግዜ ይሰምዐና ኢዩ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ "ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ብዝዀነ መገዲ ምላሽ ዝህብና ብጥበብን ብሓልዮትን ስለ ዝምልሰልና ኢዩ፣ እዚ ድማ ክንርድኦ ዘይንኽእል ምስጢር ኢዩ።" ኣብዚ እዋን እዚ እውን ከይተረፈ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይብሉ "ወትሩ ብርሃንን ብርታዐን ክንረክብ ኢና እሞ፣ ብምትእምማን ካብ ምጽላይ ኣይነቋርጽ" ብምባል ኣትሪሮም ተላበዉ።
ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ምእማናን ነታ ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ኽንደግም ኸለና "ውሉድ ኣምላኽ ብምዃንና ዝረኸብናዮ ጸጋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክርስቶስ መጠን ንሓድሕድና ብምፍቃር፣ ነዚ ውህበት እዚ ምላሽ ንምሃብ ቈራጽነት ከም ዝገበርና" ኣዘኻኸሩ።
ኣብ ህይወትካ ንሕያውነት ኣምላኽ ኣንጸባርቕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቲ ቅዱስ ሲፕሪያኖስ ዘካርታጅ "ንኣምላኽ 'ኣቦና' ኢልና ኽንጽውዖ ኸለና ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ክንመያየጥ ኣሎና" ብምባል እተዛረቦ ቓላት ዘከሩ። ብተመሳሳሊ ውን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ "ጨካንን ኢሰብኣውን ልቢ ሒዝካ ነቲ ልዕሊ ኹሉ ሕያዋይ ዝኾነ ኣምላኽና ኣቦይ ኽትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ኣብ ምዝዛም "ከም ኣቦና" እና ጸለና፣ እንተኾነ ግን ንኻልኦት ጨካናትን ስምዒት ኣልቦን ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና" በሉ። ኣብ ክንዳኡስ "ገጹ ኣባና ኸም መስትያት ምእንቲ ኺንጸባረቕ ብሕያውነቱን ብትዕግስቱን ብምሕረቱን ንለወጥ” ክብሉ ውን መዓዱ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን በቲ ናይ ዕለቱ መሥዋዕተ ቅዱሴ ተደሪኾም ከምቲ ኣምላኽ ዘፍቅረና ንሕናውን ከነፍቕር "ብግሉጽነትን ብምስትውዓልን ብሓልዮትን ብዘይ ምትላልን" ክነብሩ ዓደምዎም።