MAP

2025.07.10 anziani 2025.07.10 anziani 

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታትን ናይ ተስፋ መሰኻኽር እዮም'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 5ይ ዓመት ዝኽሪ ዓለምለኻዊ ዕለተ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታትን ጸምቢሎም፣ ነቶም ናብ ከተማ ሮሜ ዚመጹ ነጋድያን ተስፋ ዝኾኑ መንእሰያት ከኣ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ደድሕሪ እቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ነቶም ኣብታ ዕለተ ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግሌታትን መበል 5ይ ዓመት ይዝከር ከም ዘሎ ብምዝካር፣ ፍረ ነገር ናይዛ ዓመት እዚኣ ድማ "እቲ ተስፋ ዘይቆርጽ ሰብ ብጹእ ኢዩ" ዝብል ከም ዝኾነ ኣዘኻኸሩ።

 ዝሓልፈ ዕለት 10 ሓምለ 2025 ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣመልኪቶም ድማ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ውን ጥቐሱ ።  

"ንኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ንሓድሽ ወለዶታት መገዲ ኼብርሁ አኽእሉ፣ ናይ ተስፋ መሰኻኽር ከም ዝዀኑ ነርኣዮም። ኣብ ኪዳን ፍቕርን ጸሎትን ሕበርዎም እምበር ኣይንሕደጐም" በሉ።

ንግደት መእሰያት ዓመት ኢዮቤል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብተን ብውግእ ዝዓነዋ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ሰላም ንኽሰፍን ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ዳግም ድሕሪ ምሕዳስ "ብፍላይ ነቶም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ንንግደት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ናብ ሮማ ዝመጹ ዘለዉ መንእሰያት ዕንቋዕ ብደሓን መጻእኩም" ብምባል ሰላምታ ኣቕረቡሎም።

"እብዚ ነፍሲ ወከፍኩም ምስ ክርስቶስ ንኽትራኸቡን ብእምነትኩምን  ብንጽህና ህይወትን ንክርስቶስ ንኽትስዕብዎ ኣብ ዝገበርኩምዎ ቘራጽነትን፣ ብኣኡ ንኽትበራትዑን ኣጋጣሚ ክኸውን ተስፋ እገብር" ውን በሉ።

28 Jul 2025, 17:18