MAP

2025.07.23 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንዶሚኒካውያን ብጥንቃቐ ንመንፈስ ቅዱስ ክሰምዑ ይዕድሙ 2025.07.23 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንዶሚኒካውያን ብጥንቃቐ ንመንፈስ ቅዱስ ክሰምዑ ይዕድሙ 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንዶሚኒካውያን ብጥንቃቐ ንመንፈስ ቅዱስ ክሰምዑ ይዕድሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ዞባዊ ኣሕሉቕ ካህናት ማሕበር ዶመኒካውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንተጋባእያን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፣ ንመንፈስ ቅዱስ ኣቃልቦ ክገብሩን ንኣካል ክርስቶስ ንምግልጋል ዘለዎም ተወፋይነት ከደልድሉን ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ክራኮቭ ናብ ዝተኣከቡ ዶሚኒካውያን ዞባዊ ኣሕሉቕ፣ ብይብጻሕ ንናይ ዶመኒካውያን ዓቢይ ሓለቓ ኣባ ገራርድ ቲሞነር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ምንቲ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፣ “እዘን ናይ ጸጋ መዓልታት እዚኣተን ናይ ምሕዳስ ዕድል ክኾና፣ ካብ’ቲ ዘየደናግር ተስፋን ጐይታ ኣብ ሞንጎ ናይ ሎሚ ፍሉይ ብድሆታት ሓድሽ ቃል ክትእውጁ ከም ሰበኽቲ ዝጸውዓኩም ብምትእምማን ናይ ምሕዳስ ኣጋጣሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል" የስተብህሉ።

ንመንፈስ ቅዱስ ምስማዕ

ቀጺሎም ናይቲ ኣኼባ መርሕ ቃል ብምጕላሕ፣ እዚ ድማ ነቲ ልዕሊ ዅሉ “ነቶም ገና ኢየሱስ ዘይፈልጥዎ” ቃል ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ክእለትን ስነ መዕበያን ዶመኒካውያን ንምጕላሕ ዝዓለመ ምዃኑ ኣመላኺቶም፣ ንምእመናን ክርስትያን፣ ነቶም ካብ ክርስቶስ ዝረሓቑን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘለዉ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ዝምልከት ኸም ዝዀነ ገሊጾም። "እቲ እተካይድዎ ዓውደ ኣኼባ ነቲ ንቤተ - ክርስትያን ምሉእ ሓቂ ዀይኑ ወትሩ ዝመርሓ መንፈስ ቅዱስ ጽን ኢልኩም ንኽትሰምዑ ምእንታኹም እጽሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቲ ቅዱስ ዶመኒክ ዝተቐብሎ መንፈሳዊ ህያብ እሙናት ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም ኣብቲ ናብ ናይ ማሕበር ዶሚኒካውያን ዓቢይ ሓለቓ ኣባ ገራርድ ፍራንሲስኮ ቲሞነር ሳልሳይ፣ “በቲ ብቅዱስ ዶሚኒክ ዝተመርጸ ወንጌላዊ ኣነባብራ ኣቢልኩም ንኣካል ክርስቶስ ንምግልጋል ዘለኩም ተወፋይነት ከም እተደልድሉ ዘሎና ተስፋ እረጋግጸልኩም . . . እቲ ናይ ሓባር ተመክሮ ሕውነትን ጸሎትን ነቲ ከም ዶሚኒካውያን ዝጥርንፈኩምን ከም ኣስተንትኖ ናይ ሰባክያን ጸዋዕታኹም ብዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ክትነብሩ ዘነቓቕሓኩምን ዘለኩም ማሕበራዊ ምትእስሳር የሐይል” ምስ በሉ ኣስዒቦም፣ ንመንፈሳዊ ህያብን መንፈሳውነትን ቅዱስ ዶሚኒክ ብተኣማንነት “ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾኹም እትፍጽሙ ምዃንኩም ዘጠራጥር ኣይኮነን” እንክብሉ ዘለዎም እምነት ገሊጾም፣ ነቲ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ዶመኒካውያን ንኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሕድሪ ብምባል፣ ንኹሎም ኣባላት ማሕበር ዶሚኒካውያን ቡራኬኦም ብምሃብ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Jul 2025, 16:16