ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንማሕበር “ሰላመ ክርስቶስ፥ ዘይጎነጻዊ ባህሊ ኣብ ምንቕቓሕ ክቕጽል ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሃገራዊ ባይቶ ሰላመ ክስቶስ ሕቡራት መንግስትት ኣመሪካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ኣብ ማእከል እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓለምና ዘጋጥማ ዘሎ ብዙሕ ብድሆታት፡ እንተኮላይ ሰፊሕ ዕጥቃዊ ውግእ፣ ምፍልላይ ኣብ መንጎ ህዝብታት፣ ከምኡ’ውን ብድሆታት ግዱድ ስደት፣ ጻዕሪ ዘይጎነጻዊ ምትእስሳር ዝያዳ ኣድላዪ እዩ፣” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ጨንፈር ኣሜሪካ ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሰላም ክርስቶስ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ (25 - 28 ሓምለ) ኣብ ዲትሮይት ሚቺጋን ዓመታዊ ሃገራዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ “ሓይሊ ዘይጎነጻውነት ኣብ ዝተሰብረት ዓለም ምምላስ” ብዝብል ኣርእቲ ተመሪሑ ይካየድ ምህላዉ ኣዘኻኺሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ምሸት ኣብ መኽፈቲ ስነ - ስርዓት እቲ ዓውደ ጉባኤ ንተሳተፍቲ ኣብ ዝተነበበ መልእኽቶም፡ “ድሕሪ ዓመጽ ስቕለት፡ እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዘቕረቦ ናይ ፈለማ ቃላት ሰላም” ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ስለዚ ድማ “ዘይተዓጥቀን ዕጥቂ ዝፈተሐን ትሕትናን ጽንዓትን” ዝብል ሰላም ክዝክሩ ዓዲሞም . . . ኢየሱስ “ንሰዓብቱ ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ገበርቲ ሰላም ክኾኑ ናብ ዓለም ምልኣኽ ይቕጽል ኣሎ፣” ስለዚ “ዕርቂ ክትገብር እትኽእል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰበኻታት፣ ከባቢታት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ወሰናስን ሕብረተሰብን ህልውናን ክትህሉን ክትረአን ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ሃገራዊ ጉባኤ ኣባላት ማሕበር ሰላመ ክስቶስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ማሕበረሰቦም "ቤት ሰላም" ንምግባር ቈራጽነት ንኽገብሩ ከም ዘለዓዕሎም ተስፋ ገይሮም፣ ኣብኡ ኸኣ ፍትሕን ይቕረታን ብምፍቃር ብዘተ ጽልኢ ከወግዱ ከም ዝመሃሩን፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ብዙሓት ሰባት ነቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ብሰላም ምንበር ከም ዘድሊ ዘቕረቦ ዕድመ ንኽትቅበሉ ፍቓደይናታት ትኾኑ - ቢሎም - ነቲ ጉባኤ ንኣማላድነት ቅድስተ ማርያን ኣደ ቤተ ክርስቲያን ኣሕሊፎም ብምሃብ ንተጋባእያን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣቕሪቦም ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።