MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ወንጌላውነት ኣገልግሎት ድሌት ከሕደስ የተባብዑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ወንጌላውነት ኣገልግሎት ድሌት ከሕደስ የተባብዑ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናይ ወንጌላውነት ኣገልግሎት ድሌት ከሕደስ የተባብዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ፓራጓይ ርእሰ ከተማ ኣሱንሲዮን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ላቲን ኣመሪካ ስነ ትምህርተ ክርስቶስ ምሁራትን ሊቃውንትን ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ተጋባእያን መንገዲ ሲኖዳውነት ኣተኲይሮም ንዘካይድዎ ናይ መጽናዕቲ መዓልታት ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናብቲ መበል 13 ስሩዕ ጉባኤን 10ይ ዓውደ መጽናዕትን ማሕበር መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ( Sociedad de Cateketas Latinoamericanos , SCALA) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንኣዳለውትን ተሳተፍትን ናይቲ መደብ ምዉቕ ሰላምታ ኣቕሪቦም፣ “ከም ቀንዲ ዕላማ ኣስተንትኖኦም ብዛዕባ ስብእና ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት፣ ማእከልን ዕላማን ትምህርተ ክርስቶስ ክኸውን ” ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ቀጺሎም ድማ፡ “ኣብዚ ፍቕራዊ ፍልጠት ኢየሱስ ተመርኲይዞም”፣ “ንዕኡ ንምእዋጅ፡ ‘ወንጌል ንምስማዕ’፡ ንኻልኦት ፍቕራዊ ህላዌኡ ብምርኣይ፡ ብእኡ ንምእማን ‘እወ’ ክብሉ ክመርሕዎም” ኣተባቢዖም፣ ኣብ 1995 ዝተመስረተ ማሕበር መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ( Sociedad de Cateketas Latinoamericanos , SCALA) ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ክፍሊ ዓለም ዝመጹ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ምሁራትን ተመራመርትን ዝሓቖፈ ኮይኑ፤ ብትምህርተ ክርስቶስ ኣቢሎም ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣበርክቶ ዝገብሩ ኮይኖም፣ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልታት ጉባኤን መጽናዕትን ካብ ዕለት 7 - 11 ሓምለ ዝካየድ ኮይኑ፡ ካብ ብራዚል፡ ኤኳዶር፡ ፔሩ፡ ቦሊቭያ፡ ቺለ፡ ሆንዱራስ፡ ኡራጋይ፡ ቬንዙዌላ፡ ኮስታሪካ፡ ኣርጀንቲናን ሜክሲኮን ዝመጹ ምሁራት ኣብ ሓደ ዘራኽብ ኮይኑ፣ እዞም ምሁራትን ተመራመርትን ስነ ትምህርተ ክርስቶስ እዚኦም ኣብ ፓራጓይ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ነቶም ምሁራት ብቲዮሎጊያዊ ኣረኣእያ መምርሒ ንምሃብ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ መገዲ ሲኖዳውነት ከተኵሩ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Jul 2025, 16:36