ር. ሊ. ጳ. ናብ መንበሮም ኣብ ዝተመልሱሉ ንንግዲ ኣጽዋር ኰኒኖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ትማሊ ምሸት ካብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ንክረምታዊ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ን16 መዓልታት ኣብኡ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ መንበሮም ናብ ቫቲካን ኣብ ዝተመልሱሉ ኣጋጣሚ ንጋዜጠኛታት ረኾቦም ኣዘራረብዎም ። ቀቅድሚ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. እተመልሱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ምስቶም ኣብ ምንቃሎም ዝጽበይዎም ዝንበሩ ሪፖርተራት ተዘራሪቦም ንሕቶታቶም ድማ መግለጺ ኣካፈልዎም።
ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ቅዱስ ኣቦና፣ "ኵሎም ደቂ ሰባት ኣጽዋሮም ከራፉን፣ ነቲ ብኵሉ ውግኣት ገንዘብ ንምኽእባት ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት ክውገድ ክንጽዕር ኣልና” ክብሉ ተላበዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ከም ቃዛ ዝኣመሰላ ዞባታት ውግእ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ፣ ቅዱስነቶም ክበጽሕዎም ዝደልዪ "ብዙሕ ቦታታት ኣሎ፣ እንተዀነ ግን መልሲ ንምርካብ እዚ ግዴታ ኣይኰነን" በሉ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ንግዲ ኣጽዋር ንደቂ ሰባት ዋጋ ዘይብሎም መሳርሒታት ጥራይ ኢዮም ክኾኑ ዝኽእሉ" ብምባል ውን ኣጕልሑ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክርስትያን ይኹን እስላም ከምኡውን ተኸተልቲ ካልኦት ሃይማኖታት ዓመጽን ቅትለትን ደቂ ሰባት ብቐጻሊ ኣትሪርና ኽንሕተተሉ ዘሎና ምዃኑ ከነስተውዕል ኣሎና" በሉ። ኵላትና ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጠርና ደቂ ኣምላኽ ኢና" ውን በሉ። "ስለዚ ነዚ ጻዕሪ እዚ ኣብ ምትግባር ኽንቅጽል ኢና" ክብሉ ውን ዘለዎም ሓሳባት ኣካፈሉ።
ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዘሕለፍዎ ግዜ ብሓቂ ሠናይ ከም ዝነበረ ውን ገለጹ። "ለውጢ መደባት ክገብር ክኢለ ኢየ" ውን በሉ፣ እንተዀነ ግን እዚ ዕረፍቲ እዚ "ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ኢዩ ዝነብረ፣ ነቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ካብ ምስዓብ እውን ኣየቋረጽኩን" ብምባል መግለጺኦም ደምደሙ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ድምጺ ቤተ ክርስትያን ክሳዕ ሕጂ ኣገዳሲ እዩ፣ ስለዚ ውን ንኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ" በሉ ። በዚ ኸምዚ "ሰላም ምድንፋዕ ንቐጽል" ክብሉ ውን ተላበዉ።