ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ፖላንድ ርእሰ ብሔር
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 3 ሓምለ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ፖላንድ ርእሰ ብሔር ኣንድረጅ ዱዳ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ኣብ 2015 ንፈለማ ግዜ ርእሰ ብሔር ኮይኑ ዝተሓረየን ኣብ 2020 ዳግማይ ዝተመረጸን ብቅዋም ሃገር ፖላንድ ንሳልሳይ ግዜ ክምረጽ ዝፈቅድ ብዘይምዃኑ ድማ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2025 ስልጣኑ ዘብቅዕ ናይ ረፓብሊካዊት ፖላንድ ርእሰ ብሔር ዱዳ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ዝተዓወተ ርእሰ ብሔር ካሮል ናውሮኪ ዕለት 6 ነሓሰ 2025 ስልጣኑ ብወግዒ ንምቕባል ቃለ ማሕላ ክፍጽም ምዃኑ የዘኻኽር።
ርእሰ ብሔር ዱዳ ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ፖላንድን ዘሎ ድልዱል ክልተኣዊ ዝምድና ሓባራዊ ኣድናቖቶም ገሊጾም፣ ኣብ ህሉው ማሕበረ- ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን ብዛዕባ ኣህጉራዊ ጉዳያት ትኹረት ብምግባር ኣብ ዝቐጸለ ክሌኣዊ ዘተ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣቓልቦ ሂቦም ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።