MAP

2025.07.20 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 20 ሓምለ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት 2025.07.20 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 20 ሓምለ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 20 ሓምለ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት

ዕለት 20 ሓምለ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ዞባ ላዚዮ ንኡስ ዞባ ሮማ ከተማ ኣልባኖ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፣ ምእንጋድን ኣገልግሎትን ምስማዕን ምስ እግዚኣብሔርን ካልኦትን ዓሚቝ ርክብ ንምህናጽ ኣገደስቲ ባእታታት ምዃኖም የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ጥቓ እታ ንዕረፍቲ ዝርከቡላ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ እትርከብ ከተማ ኣልባኖ ሰንበት ዕለት 20 ሓምለ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቅዱስነቶም ኣብኡ ምራኻቦም ዝፈጥረሎም ሓጎስ ገሊጾም፣ “በዚ መንፈስ ሕውነትን ክርስቲያናዊ ሓጎስን ድማ ንኹልኹም ኣብዚ ቦታ ዘለኹም ሰላምታይ እቕርበልኩም . . . ቢሎም - ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት፡ ዘፍጥረት ምዕ. 18፡ 1 – 10፣ ቆላሲያስ ምዕ. 1፡ 24 – 28፡ ወንጌል ሉቃስ 10፡ 38 – 42 ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ናይ ዕለቱ ምንባባት እንግዶትን ኣገልግሎትን ምስማዕን ከነስተንትን ዝዕድመና ምዃኑ የስተብህሉ።

ንፉዓት ኣአንገድቲ

ቀዳማይ ካብ ዘፍጥረት ዝተወስደ ምንባብ፣ ኣብርሃም ኣብ ቤቱ ዘአንገዶም ሰለስተ ሰባት፣ ምስኦም ዘካየዶ ርክብ ዘዘትንው ታሪኽ መሰረት ገይሮም፣ እቲ ርክብ ድሕሪ ቀትሪ ኣብቱ ህዱእ እዋን ዝተኻየደን ብናይ ፍቕሪ ምልክት ዝተመልአን ምንባሩ ሓቢሮም፣ እቶም በጻሕቲ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ንነዊሕ እዋን ዝጽበይዎ ዝነበሩ ሰናይ ብስራት ክረጋገጽ ምዃኑ የበስርዎም፣ እግዚኣብሔር ውላድ ክህቦም ምዃኑ የረጋግጹሎም፣ እዚ ርክብ እዚ ኣምላኽ ናብ ህይወት ኣብርሃምን ሳራን ንምእታው ዝመረጾ መገዲ ምቕባልን ምእንጋድን ምንባሩ ቅዱስነቶም የዘኻኽሩ።

ማንታ ሸነኻት ናይ ኣጋይሽ ምቕባል ኣጋይሽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ወንጌል ምልስ ቢሎም፣ . . .  ኢየሱስ ኣብ ቤት ማርታን ማርያምን ከም ጋሻ ዘይኰነስ ከም ዓርኪ ኣብ እዋን ጽምብል ምርኻቡ ገሊጾም። እዘን ክልተ ኣሕዋት ነቲ ናብ ገዝአን ጸመጸ ጋሻ ብኣዝዩ እተፈላለየ መገዲ ከም እተቐበለኦን፣ ማርታ ብምግልጋል ክትቅበሎ እንኮላ፣ ማርያም ድማ ኣብ እግሩ ኮፍ ኢላ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ቃላት ብምስማዕ ትቕበሎ። ኢየሱስ ነቲ ማርታ ዝሃበቶ ርእይቶ እንክምልስ፡ ነቲ ማርያም ዝነበረቶ ምስማዕ ዘለዎ ክብሪ ከነስተውዕል ዝድርኽ እዩ . . . ስለዚ ምግልጋልን ምስማዕን ንሓድሕዱ ዝጻረር ጌርካ ምርኣይ፡ ወይ ንብቕዓት እተን ክልተ ኣሕዋት ምውድዳር ጌጋ እዩ፣ ኣገልግሎትን ምስማዕን “ማንታ ሸነኻት እንግዶት” እዮም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነዞም ክልተ መዳያት ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንነብሮ ኣብ እንጽዕረሉ እዋን፣ ምስ እግዚኣብሔር ዘለና ርክብ ቀዳምነት ክንህቦ ይግባእ፣ እምነትና ብጭቡጥ ተግባራት ክንነብሮ ድማ ይግባእ። . . . ነዚ ክንገብሮ እንኽእል ግን ቃል ኣምላኽ ምስ ኣስተንተንና ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ሰማዕናን ጥራይ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ትኹረትና ዝሰርቕ ነገራት ከነወግድ መታን ናይ ጽሞናን ንበይንና እንኾነሉ ኣብ እግዚኣብሔር ከነተኩርን ምስኡ ክንዝትን ንሱ ክዛረበናን መታን ቦታ ንምሃብ ፍሉይ ግዜ ክህልወና ናይ ስቕታን ጸሎትን ንበይንና እንኾነሉ ግዜ ክህልወና ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፣  "እዚ ሎሚ ክንመልሶ ዝግበኣና መዳይ ክርስትያናዊ ሕይወት እዩ። ንውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን ከምኡ'ውን ንዘመንና ክቡር ትንቢታዊ ምልክት እዩ - ቢሎም -  ወቕቲ ሓጋይ በዚ መዳይ እዚ ገዛእ ርእስና እንውፍየሉን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎናም ናይ ዝህልወና ርክብ ጽባቐ እንምስከረሉን ከመይ ጌርና ንኻልኦት ክፉታት ብምዃን ኣብ ምሕጋዞም ንኽንርከብ እንተባብዓሉ ሰናይ እዋን ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሓጋይ ዕረፍትን ኣምላኽን

ሓጋይ መብዛሕትኡ ግዜ ንምስትንታንን ምስ ካልኦት ግዜ ንምሕላፍን ዝያዳ ናጻ ግዜ ስለ ዝህብ፡ ኩሉ ሰብ “ነዚ ወቕቲ እዚ ብግቡእ ክጥቀመሉ፡ ዘለዎ ሻቕሎት ሓዲጉ ከስተንትን ጽን ክብልን ንኻልኦት ክበጽሕን ብድሆ ዘቕርብ ምዃኑ ኣመላኺቶም፣ ሓጋይ ንኻልኦት ክትሓልየሎምን ክትላለዮምን ክትሰምዖምን እትኽእለሉ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚኦም ኩሎም ናይ ፍቕሪ መግለጺታት ምዃኖም ቅዱስነቶም ገሊጾም፣ ኩላትና ዘድልየና ግዜ እዩ። ነዚኦም ብትብዓት ክንነብሮ እንተፈቲንና፡ “ኣብ ከባቢና ዘለዉ ምፍልላያትን ጽልእን ክሰግሩን ኣብ መንጎ ውልቀሰባትን ህዝብታትን ሃይማኖታትን ሕብረት ክህነጹ ክንሕግዝን ናይ ሰላም ባህሊ ከነስፍሕ ንኽእል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ጻዕርን መስዋእትን ከም ዝሓትት ብምግንዛብ . . . ኣብዚ ጻዕርታት እዚ እዩ “ኣብ ህይወት ዋጋ ዘለዎ ነገር ክህነጽ ዝኽእል - ቢሎም - ንኻልኦት ምስማዕን ምግልጋልን ምስ ካልኦት ሓቀይና ዝምድና ንምፍጣርን ድልድል ንምህናጽን እቲ እንኮ መገዲ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ስለቲ ኣገልግሎትኩም የቐንየልና

ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንናይ ኣልባኖ ጳጳስ ቪንቸንዞ ቪቫ ልብሰ ተክህኖ ገጸ በረኸት ለጊሶም፣ "እዚ ህያብ እዚ ምስ ሰበኻ ኣልባኖ ዘለኒ ቅርብት መግለጺ እዩ። ነዚ በረኸት እዚ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ከም ዘሰንየኩም ተስፋ ብምግባር ድማ አቕርበልኩም ስለ ኣገልግሎትኩምን ከምእ እውን ንናይ ከተማ ኣልባኖ ህዝብን አመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ዕለት 20 ሓምለ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ከተማ ኣልባኖ
21 Jul 2025, 16:02