MAP

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቅዳሴ ካስተል ጋንዶልፎ፦ ነቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝዀነ ክርስቶስ ንምሰሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ ናይ ዕለተ ሰንበት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ናብቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝኾነ ጐይታ ኽንጥምት ከም ዘሎና የስተንትኑ፣ ፍቕርን ሕያውነትን ኣምላኽ ምስ ረኸብና ንኻልኦት ተመሳሳሊ ምጽንናዕ ክንህቦም ከም እንኽእል ድማ ኣዘኻኸሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቍምስና ቅዱስ ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረጉሉ፣ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ  ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር ብዛዕባ ምሳሌ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ብምስትንታን ዘጸናንዕ መዘኻኸሪ ኣካፊሎም።

"ሓንሳእ ብክርስቶስ ምስ ሓወናን ምስ ተፈቐርናን ኣብዛ እንነብራ ዘሎና ዓለም፣ ናይ ፍቕርን ድንጋጽን መሰኻኽር ክንከውን ንኽእል ኢና።"

ቅዱስነቶም ነዚ መሥዋዕተ ቅድሴ እዚ ምሳታቶም የዕርጉ ምህላዎም ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ሰላም ብምቕራብ ሓጐሶምን ምስጋናኦምን ብምግላጽ ኣስተንትኖኦም ኣካፈሉ።

ድሕርዚ ቅዱስ ሉቃነ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ቃል ወንጌል ነዚ ምስላሴ እዚ ብኸመይ ከም ዝቕረቦ ዘከሩ። ቅዱስ ሉቃስ ዘዘንተወልና "ሓደ ኻብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘስተምሃሮ ባህ ዜብልን ልቢ ዚትንክፍን ምሳልያዊ ዛንታታት ንሰምዕ ኣለና፣" እዚ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ እንከነስተንትን "ብዛዕባ ህይወትና ንኽንሓስብ ብቐጻሊ ሓደ ብድሆ ዘርበልና ኢዩ፣ ነቲ ዝደስከለ ወይ ዝደቀሰ ንሕልናና ድማ ዘናውጽ ኢዩ" ኸምኡውን "ብደጋዊ ምፍጻም ሕጊ ጥራይ ዝዓግብ እምነት ግን ከአ ምስቲ ህያዋይ ዝኾነ ኣምላኽ ኮይና ህያውነት ዘይስምዓናን ምስኡ ተሰማሚዕና ኽንመላለስን ዘይንኽእል ከይንኸውን የጠንቅቐና" በሉ።

እቲ ኣገዳሲ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እንሪኦም እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዚ ምሳልያዊ ዛንታ ንምእመናን "ኣብ ልብና ንዘሎ ስለ ዘርእየና፣ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እንርእዮም ኢዩ እቲ ዘገድስ" ብምባል ብሓቂ ብዛዕባ ድንጋጸ ዝገልጽ ምዃኑ ኣመልከቱ።

እዚ ምሳልያዊ ዛንታ መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓና ዝርእየሉ መገዲ ከም ዝዛረበና ብምዝካር ከምዚ በለ - "ንሕናውን ብግዴና ብፍቕርን ድንጋጽን ዝመልኦ ዅነታት ንሰባትን ብኣዒንቱ ብኸመይ ከም እንርእዮም ምእንቲ ኽንመሃርን ክንጥምትን ክንመላለስን ወይ ክንርሕርሓሎምን ንኽእል ኢና።"

እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ብሓቂ ምስሊ ናይቲ "ንደቅሰብ ብርሕራሐ ዝርእዮምን ዝሓቍፎምን ኣቦ፣ ዘልዓለማዊ ወዱ ናብ ታሪኽና ዝለኣኾ" ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ውን ዘከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል "ልክዕ ከምቲ ኣብ ወንጌል ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ዝወርድ ዝነበረ፣ ሰብ ደቂ ሰብ እውን ናብ መዓሙቝ ሞት ይወርዱ ነበሩ" በሉ።

ብፍቕሩን ምሕረቱን ኣቝሳል ደቂ ሰባት ምፍዋስ

ይኹን እምበር ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ኣምላኽ ብርሕራሔ ጠመተና፣ በታ መገዲ እቲኣ ኺመላለስን ኣብ መንጎና ክርከብን ደለየ። እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝዀነ ኢየሱስ ንቍስልና ኼሕዊ ፈውሲ ፍቕሩን ምሕረቱን ከኣ ኬፍስሰልና መጸ"።

በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ፣ ኣምላኽ ምሕረትን ድንጋጽን ምዃኑ ብተደጋጋሚ የዘኻኽረና ምንሮም ብምዝካር ድማ፣ ሓደ እዋን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ናይ ኣቦ ድንጋጸ" ክብሉ ይጽውዖ፣ ቅዱስ ኦገስቲን ውን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሕያዋይ ሳምራዊ መጠን ብጻይና ተባሂሉ ኽፍለጥ ከም ዝደሊ ገለጸ። ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ብኸተርቲ እተወቕዐን ኣብ ወሰን መገዲ ወዲቁ ኣይምዉት ኣይስሩስ ገይሮም ንዝገደፍዎ ከም እተከናኸኖ ዘዘኻኽረና ውን ኢዩ።"

"እዚ ምሳሌ እዚ ንነፍሲ ወከፍና ስለምንታይ በዳሂ ኸም ዝዀነ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና" በሉ ቅዱስነቶም። "ክርስቶስ ገጽ ናይቲ ርሕሩሕ ኣምላኽ እንተ ኣርእዩና፣ ብእኡ ምእማንን ደቀ መዛሙርቱ ምዃንን ክበሃል ከሎ ክንልወጥን ንዓና ውን ተመሳሳሊ ስምዒት ክስምዓናን ምፍቃድ ማለት ኢዩ።"

ዝድንግጽ ልቢ ምጥራይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ኺበሃል ከሎ ልቢ ኺህልወካ ኣለዎ ማለት እዩ፣ ኣዒንቲ ናብ ካልእ ዚጥምታን ዘይጥምታን ንኻልኦት ዚሕግዛ ቍስሎም ዝዝንና ኣእዳው ከምኡውን ጾር እቶም እተሸገሩ ዚጾራ መንኵብ ኪህልወና ኣለዎ ማለት እዩ ።

"እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዜፍቅረናን ከም ዚሓልየልናን ኣዕሚቝና እንተ ፈሊጥና፣ ንሕና እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ንኸነፍቅርን ከምቲ ንሱ ንኽንርሕርሕ ክንድረኽና ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዕብ ኣቢሎም "ሓንሳእ ብክርስቶስ ምስ ሓወናን ምስ ተፈቐርናን ንሕናውን ኣብ ዓለምና ናይ ፍቕሩን ድንጋጹኡን መሰኻኽር ክንከውን ንኽእል ኢና" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መሥዋዕተ ቅድሴ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መሥዋዕተ ቅድሴ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ   (@Vatican Media)

'ሰውራ ፍቕሪ'

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ሎሚ እዚ 'ናይ ፍቕሪ ሰውራ' የድልየና ኢዩ" ብምባል ኣትሪሮም ተዛሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ሎሚ እታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ እትጐዓዝ መገዲ፣ ኵሎም እቶም ናብ ሓጢኣትን መከራን ድኽነትን ዚወርዱ ሰባት ዚጐዓዙላ መገዲ ምዃና ውን ሓሳብ ኣቕረቡ።

ከምዚ ድማ በሉ  እዛ መንብገዲ እዚኣ - "ዅሎም እቶም ብሽግር ወይ ኣብ ህይወቶም እተጐድኡ ህይወት ዝኸበዶም ሰባት ዝጕዓዙላ ዘለዉ መገዲ ኢያ . . . ኵሎም እቶም ዝወደቑ ኢደ እግሮም ዝሰኣኑ ከምኡውን ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ዝወደቑ. . . ብሰባት እተቐጥቐቱ እተዘምቱ ከምኡውን እተዓመጹ፣ ግዳያት ናይቲ ጨቋኒ ፖለቲካዊ ስርዓታት ዝዀኑ ሰባት፣ ናብ ድኽነት ዘእትዎም ቍጠባዊ ቅልውላው ከምኡውን ትምኒቶምን ህይወቶምን ናብ ዝቐተለ  ውግኣት ዝጕዓዙላ ዘለዉ መንገዲ ኢያ።"

'እንታይ ኽንገብር እንኽእል?'

ስለዚ ቅዱስ ኣቦና "እንታይ ኢና እንገብር እንኽእል?" ክብሉ ይሓቱ።

"ንጥምትን ንመላለስን ዲና ወይስ ከምቲ ሳምራዊ ልብና ንኻልኦት ንኸፍተሎም ዲና? ሓድሓደ ግዜ ግዴታና ብምፍጻሞም ጥራይ ዲና እንዓግብ ወይ ከኣ ከምቶም ከም ናትና ዓይነት ዜግነት ወይ ሃይማኖት ዘለዎም ኣባላት ጕጅለና ዝዀኑ ሰባት ጥራይ ብምድጋፍ ዲና እንዓግብ?"

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ቅዱስነቶም "ኢየሱስ ንሓደ ሳምራዊ ጓና ወይ መናፍቕ ነቲ ዝቘሰለ ሰብኣይ ከም ብጻይ ናባና ብምቕራብ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣፍሪሱ "ከምኡ ኽንገብር ድማ ተማሕጸነና" ብምባል መዓዱ።

'የሱስ ንዅሉ ነገር ናብ ርእሱ መለሳ' (ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስተንትኖኦም ብምቕጻነት፣ ኣብታ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስታ መጽሓፎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ኸም ዝጸሓፍዎ "'እቲ ናይ ሓድነት ግዴታኡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚዝርጋሕ ኣይሓትትን እዩ። ብዛዕባ እቲ ንዘለኣለማዊ ህይወት ዜድሊ ነገራት እውን ኣይሓትትን እዩ ። ካልእ ነገር እውን ኣጋጠመ ፦ ልቡ ተተንኪፉ እዩ ።... 'ሳምራዊ ብጻየይ ድዩ?' ዚብል ሕቶ እንተ ዚለዓል ነይሩ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንጹር ምዀነ ነይሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት ከምዚ ኢሎም ጽሒፎም ኣለዉ - "'ኢየሱስ ግና ሕጂ ንዅሉ ነገር ናብ ርእሱ መለሶ፣ እቲ ሳምራዊ ጓና ዝነበረ ንርእሱ ብጽይ ገበረ፣ ብውሽጠይ ጐረቤት ብጻይ ምዃን ክመሃር ከም ዘሎንን ነቲ መልሲ ባዕለይ ከም ዝረኸብክዎን ድማ ኣርኣየኒ። ከምቲ ብስእነት ካልእ ዚናወጽ መፍቀሪ ሰብ ክኸውን ኣሎኒ" ድማ ክብሉ ኣስተንተኑ።

ንክርስቶስ ንምሰሎ

ቅዱስ ኣቦ ከምዚ ብምባል የስተንትኑ - "ብእግርና ኸይተመላለስና ነቲ ጭንቀት ዝመልኦ ናብራ ህይወትና ደው ከነብሎ፣ ንህይወት ካልኦት ሰባት ዘድልዮም ነገራትን ጸገማቶምን ንልብና ክትንክፎ ምፍቃድ የዕሩኽቲ ወይ ብጾት ዝገብረና ሓቀይና ሕውነት ዘፍሪ መናድቕን ዕንቅፋታትን ዘፍርስን ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ፍቕሪ ትዕወት ካብ እከይን ሞትን ከኣ ትብርትዕ።"

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ናብቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝዀነ ክርስቶስ ንጠምት ። ሎሚ እውን ንድምጹ እንደገና ንስምዓዮ ። ከመይሲ ንነፍሲ ወከፍና 'ኪድ ንስኻ ውን ከምኡ ግበር' እዩ ዚብለና ዘሎ።"

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መሥዋተ ቅዳሴ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መሥዋተ ቅዳሴ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ   (@Vatican Media)
መሥዋዕተ ቅድሳሴ ኣብ ካተል ጋንዶልሶ - ቤተክርስቲያን ቅዱስ ቶማስ ዘ ቪላኖቫ
14 Jul 2025, 16:01