ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ጽልዋ ዘሕደሩ ሰባት ኣብ ኢዮቤል ተስፋ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሓደ ኽፋል ናይ ዓመት ኢዮቤል መንእሰያት ካብ ዕለት 28-29 ሓምለ እቲ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዝሃሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምስቲ ብዛዕባ ጉዳያት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅስቲ መንበር ብምትሕብባር ዝወደቦ ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ናይቶም ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ጽልዋ ዘሕድሩ ልኡካነ ወንጌል ዝኾኑ ሰባት ማለት ነቶም ብመስመር ኢንተርነት ኣቢሎም ሰበኽቲ ወንጌል ዝዀኑ ሰባት ዶባት ሰጊሮም ከም ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን መጠን ንኽሓስቡን ንኽጽልዩን ዘኽኣሎም መደባት ኢዩ ዝንበረ።
"መርበብ ደቂ ሰባት ደኣ እምበር ቀመር ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣይኰነን"
ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኮንሲልያዝዮን እተኻየደ ናይ መኽፈቲ መደብ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ዶ/ር ፓውሎ ራፊኒ ነቶም ተሳተፍቲ ናብቲ ቕዱስ ቦታ ንኽሰምዑን ኣብ መንጐ ነሓድሕዶም ርክባት ንኽሃንጹን ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ኤለክትሮኒካዊ መስመራት መራኸቢ ብዙሓን ሓድነት ከም ዚህልወና ዚገብር እኳ እንተ ዀነ "እቲ ብሓቂ ዜራኽበና መርበብ ሓበሬታ ጥራይ ዘይኰነስ፣ እቲ ልዕሊና ዝዀነ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ " በለ።
ዶ/ር ሩፊኒ ኣብ ዝለገሶ መደረ ቤተ ክርስትያን ኢንተርነት ቅድሚ ምህላዋ ነዊሕ ይገብር ወትሩ "መርበብ" ከም ዝነበረት እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ኸኣ ብኮድ ወይ ብቀመር ዘይኰነስ በቶም ዘይፍጹማት እተፈላለዩ ግናኸ ብሓደ ጥምቀትን ብሓደ እምነትን ሓድነት ዘለዎም ሰባት ከም እተሰርሐ ኣስተንተኑ። ነቶም ኣብኡ እተተኽቡ ተሳተፍቲ ነቲ ርእሰ-ምትብባዕን ዕምቈት ዘይብልካ ምዃንን ዜምጽኦ ፈተናታት ኪቃወምዎን ኣብ ክንዳኡ ውን ብዛዕባ ተልእኾኦም ብትሕትና ኺሓስቡ ተማሕጸኖም።
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ ድማ ምስትውዓል ንምርካብ ሓያሎ ሕቶታት ኣቕረቡሎም -
"ኣብ እዋን ተስፋ ምቝራጽ ከመይ ጌርና ኢና ተስፋ እንዘርእ? ንምፍልላያትና ብኸመይ ኢና እነሕዊ? ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብና ኣብ ጸሎት እተመስረተ ድዩ ወይስ ነቲ ናይ ንግዲ ቛንቋታት ኽንቅበሎ ፈቒድናሉ ኣሎና?" ክብል ውን ኣመልከተሎም።
እዚ ቐሊል ሕቶታት ከም ዘይኰነ ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ፣ እንተዀነ ግን ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ኤለክትሮኒካዊ ባህሊ ንወንጌል ክእውጅ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣድላዪ ኢዩ፣ እዚ ተልእኾ እዚ ተኽእሎታት ዘለዎ ግን ከኣ ከቢድ ሓደጋ እውን ዘለዎ ኢዩ።
"በዚ ማዕበል እዚ ኽንጠፍእ ከም ዘይንኽእል ንመስክር" ብምባል ነቶም ተጋባእቲ "ነቲ መርበብ በቲ ሓደ ሸነኽ ንደርብዮ" ክብሉ ኣተባብዖም።
"ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ተስፋ የድልዮ እዩ"
ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብወገኖም ነቶም ተጋባእቲ "ምስ ተስፋ እተተሓሓዙ" ክኾኑ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ግጉይ ሓበሬታዊ ልምሰት ከምኡውን ርእስኻ ምግላል ነቲ ብኢንተርነት ዚቐርብ መደረ ዓብሊልዎ ኣብ ዘሎ መዋእል፣ ኤለክትሮኒካዊ ተልእኾ ወንጌል እተፈልየ ነገር ማለት ብርሃን ክርስቶስ ኬቕርብ ኸም እተጸውዐ ውን ገለጹ።
"ንስኻትኩም መደባትን ቪድዮታትን ኣፍረይቲ ጥራይ ዘይኮንኩም፣ ንስኻትኩም ናይ ኣምላኽ መሰኻኽር እውን ኢኹም። መድረኽ ትሃንጹ ጥራይ ኣይኰንክም፣ ድልድል ትሃንጹ ውን ኢኹም" በልዎም።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም ክርስትያን ምእመና ብመስመር ኢንተርነት ክራኸቡሉ ዝኽእሉ ባህሊ ንምስፍሕፋሕ ተባሂሉ ብሓቅን ግብረ - ሰናይን ትሕትናን ክልለ ከም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ።
"ኣብ እምነትን ፍቕርን ምስ እትካፈሉ ሓጺር መልእኽትኹም እውን ከይተረፈ ናይ ጸጋ ብልጭታ ክኸውን ይኽእል ኢዩ" በሉ። ነቶም ጽልዋ ዘሕደሩ ሰባት ካብ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ብርታዐ እናረኸቡ ኣብ ጸሎትን ንባብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ሥርዓተ ኣምልኾን ሱር ክሰድዱ ውን ኣተባብዕዎም።
መገዲ ጸሎትን ምስማዕን ተልእኾን
ዝሃለፈ ሰንበት ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ነቶም ኣብ ዚቕጽል ቀዳመ-ሰናብቲ ዝካየድ መደባት ጸሎትን መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምስታፍ ዝዛዘም ንሓደ ሰሙን ዚኣክል ዝቕጽል ንግደት ኢዮቤል መንእሰያት ንምስታፍ ዝመሱ ኩሎም እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ክብሉ ተቐበልዎም።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ መደባት ኢዮቤል መንእሰያት ትማሊ ሰኑይ ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዝዓረገ መሥዋእተ ቅዳሴ ተጀመሩ ኣሎ፣ ስዒቡ ድማ ተኸታታሊ ኣኼባታትን ኣስተንትኖታትን፣ ከቢብ ሰደቓ ዘተን ብምክያድ ድማ ቀጺሉ ወዓለ፣ ገለ ኻብዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን ንባህሊ ኤለክትሮኒካዊ ቀመር መራኸቢ ብዙሓንን በቲ ነባሪ ጥበብ ወንጌል ገይራ ብኸመይ ምላሽ ክትህበሉ ከም እትኽእል ንምምርማር ዝዓለመ መደባት ተኻይዱ።
እቲ ዓውደ መጽናእቲ ኣብዛ ዘላ ዓለም ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ወንጌላውነት ዜምጽኦ ብድሆታትን ኣጋጣሚታትን ዘተኰረ ኪኸውን ከሎ፣ ጸሎትን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ግበረሉ እዋናት ከኣ ካብ ስእለ-ጽዩፍ ንላዕሊ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ዛዕባታት ኣብዝ ዝብሉ ኣርእስታት ውን ዘትዮም። እቲ ብካርዲናል ሮድሪገዝ ማራድያጋን ከምኡ ውን ብካርዲናል ሆሴ ኮቦ ካኖን እተመርሐ ናይ ምስጋናን ዕርቅን መድባት ከምኡውን ብማሕበረሰብ ታይዘ ህያው ዝዀነ ጸሎታት ጐሊሑ ይርአ ነበረ።
ንማርያም እተወፈየ ተልእኾ፣ "ናይ ኣምላኽ ጸለውቲ ኣካልት"
ሎሚ ዕለት 29 ሓምለ እቶም ተሳተፍቲ በቲ ቕዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምሕላፍ ድማ፣ በቶም ህየንታ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግል ኣብ ዝዓተገ መሥዋዕተ ቅድሴ ተሳቲፎም። ስዒቦም ድማ ሎም ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን ብምኻድ ናብታ ዶ/ር ሩፊኒ "ቐዳመይቲ ጸላዊት" ክብል ዝጻውዓ ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነዚ ናይ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ተልእኾኦም ክውፍዩላ ኢዮም።
እዚ ወፈያ እዚ ነቲ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መስመራት መራኸቢ ብዙሓን ዘሎ ናይ መሃዝነት ክእለትን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ባህግን ብትሕትናን ብምስትውዓልን ብፍቕርን ሱር ከም ዝሰደደ ዜርኢ ምልክት ክኸውን ድማ እዩ። ከምቲ ዶ/ር ሩፊኒ ነቶም ነጋድያን ዘዘኻኸሮም "ኣብዚ ኤለክትሮኒካዊ መዋእል ሚስዮናውያን ደቀ መዛሙርቲ ኽንከውን ደኣ እምበር ንሰዓብትና ኽንስዕቦም ወይ ብዛእይ ዕላማ ምስኦም ክንመሓዞ ኣይኰንናን መጺእና" በሎም።
ዓመተ ኢዮቤል ናይቶም ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ጸለውቲ ዝኾኑ ልኡካነ ወንጌል ካቶሊካውያን ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ፒያዛ ሪሶርጂመንቶ ንበበይኑ ዝዓይነቱን ሓድነትን ተስፋ ናይ ምክፋል ንሓጐስ ንምጽንባልን ዝዓለመ ምርኢታት ብሙዚቃን ምስክርነታትን ብምክያድ ክዛዘም ኢዩ።
ብእምነት ምትእስሳር ምግባር
ኣብ ብምሉኡ እዚ ኣጋጣታት እዚ ዜና ቫቲካን ነዚ መንፈስ ኢዮቤል ዓመተ ተስፋ ናብቶም ብኣካል ክርከቡ ዘይከአሉ ውን ከይተረፈ ምእንቲ ኺበጽሖም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ብቐጥታዊ መስመራት ከመሓላልፍ ኢዩ።
ዶ/ር ሩፊኒ ኣብ መደምደምታ "በይንና ኣይኰንናን" በለ። "ንጽል ህዝቢ ኢና። ብሓባር ኴንና ድማ ብኤለክትሮኒካዊ መስመራት ንዓለም ከነራኽባ ጥራይ ዘይኰነስ ብሓቂ ሰብኣውያንን ናይ ሓቂ ክርስትያን ምእመናን ክንከውን ኢና ተጸዊዕና" በለ።