MAP

++ Parolin, forse non come prima ma Papa torner� a governare ++ ++ Parolin, forse non come prima ma Papa torner� a governare ++  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን ንመንግስቲ ፍልስጥኤም ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣብ ቃዛ ዓጸቦ ከም ዘሎ ኣወጀ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ጐኒ ጐኒ እቲ ነቶም ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ጽልዋ ዘሕድሩ ሰባት ኣብ ዓመት ኢዮቤል ዝተኻየደ ጉባኤ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ኩነታት ኣፍልጦ ምሃብ እዚ ጉባኤ እዚ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ። ኣብ ዩክረይን "ነቲ ግጭት ንምፍታሕ" ፍሉይ መንገዲ ኸም ዘድሊ ብምግላጽ ምስ ፓትርያርክ ሞስኮ ብዛዕባ ዘሎ ርክብ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝወረደ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖም ዝሓዘን ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድስቲ መንበር ንፍልጤም "ድሮ ከም ሃገር ኣፍልጦ" ሂባትሉ ትርከብ ኣላ። ደድሕሪ እቲ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ዝኾነ ኤማኑወል ማክሮን ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ወርሒ መስከረም ንመንግስቲ ፍልስጥኤም ኣፍልጦ ኽትህብ ምዃኑ ዝሃቦ ሃበሬታ ስዒቡ፣ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እዚ ጉዳይ እዚ ከምቲ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዘመልከትዎ ናብ ዘተን ዝርርባትን ወሪዱ የከብ ኣሎ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ጽልዋ ዜሕደሩ ሰባት ኣብ ዓመት ኢዮቤል ዝተኻየደ ጉባኤ ብጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶም እንክምልሱ፣ ናይዚ ኹሉ "መፍትሔ ክኸውን ዝኽእል፣ እቲ ክልተ መንግስትታት ብሓባር ከም ዚነብራ ርእሰን ዝኸኣላ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ምትሕብባርን ድሕንነትን እውን ከም ክሰምራ ከም ዝለወን ውን ኣፍልጦ ዝሕብ ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መግለጺኦም ንመንግስቲ ፍልስጥኤም ኣፍልጦ ምሃብ "ዜና ግዜኡ ዘይኣኸለ" ከይከውን ንዝብል ሕቶ መልሲ እንክህቡሉ ከምዚ በሉ - "ስለምንታይ ኢዩ ግዜኡ ዘይኣኸለ? ከም ኣረኣእያና እቲ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ኣብ መንጎ ኽልተ ወገናት ክልተ ርእሰን ዝኸኣላ መንግስትታት ንምቛም ኣብ ዚግበር ቀጥታዊ ምይይጥ እተመርኰሰ እዩ" በሉ።

ይኹን እምበር ብፍላይ ብምኽንያት እቲ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም እተራእየ ምዕባለታት እቲ ዅነታት እናኸበደ ይኸይድ ከም ዘሎ ውን ኣፍልጦ ሃቡሉ። ስለዚ እቲ ሎሚ ዀነ ጽባሕ ኣብቲ ብዛዕባ ሰላማዊ ፍታሕ ናይ ፍልስጥኤም መሕትት ንምትግባር ናይ ክልተ መንግስታት ፍታሕን ዝገልጽ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ ኣህጉራዊ ጉባኤ ኣብ ኒው ዮርክ ዝግበር ኣኼባታት "ገለ ፍረ ኽፈሪ" ተስፋ ከም ዘለሎ ውን ኣመልከቱ።

እቲ ቅድስቲ መንበር ኣቐዲማ 25 ዓመት ይገብር ምስ ውድብ ሓርነት ፍልስጥኤም (PLO) መሰረታዊ ስምምዕ ከም ዝፈረመት ዝከር ኢዩ። ድሕሪኡ ድማ ዓሰርተ ዓመት ይገብር ምስ መንግስቲ ፍልስጥኤም እተገብረ ሰፊሕ ስምምዕ ፈረመት፣ እዚ ስምምዕ እዚ ኸኣ ኣብ ጥሪ 2016 ኣብ ተግባራ ክበጽሕ ጀመረ።

ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቃዛ ብዛዕባ እተፈጸመ መጥቃዕቲ እተገብረ መርመራ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ብዕለት 17 ሓምለ ኣብ ቃዛ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ስድራቤት ዘውረድዎ መጥቃዕቲ ዝገልጽ ናይ መጀመርታ መርመራታት ከም ዝሕብሮ፣ እቲ ሰለስተ ሰባት ዝቐተሉሉን ዓሰርተ ሰባት ብኸቢድ ዘቑሰለ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ቤተክርስቲያን እተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ደይመደይ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ወይ ከኣ ብሰንኪ ሰብኣዊ ጌጋ ዘይኰነስ ብሰንኪ ምንፃር ናይቲ ከቢድ ብረት ወይ መሳርሒኣዊ ድኻምነት ኮይኑ "ናብ ካልእ ገምጋም ዝመርሕ ካልእ ሓበሬታ" ከም ዘይብሉ ውን ገለጹ። ባዕልና ነቲ ኩነታት ኽንምርምር ኣይከኣልናን ኢዩ። ነቲ ብሰራዊት እስራኤልን ብመንግስትን እተረኽበ ርኽበታት ድማ ንቕበሎ እኳ እንተ ዀንና፣ ጥንቃቐ ኸም ዜድሊ ግን ኣትሪርና ንጣበቕ ኢና ዘሎና" በሉ።

ከምዚ ዓይነት ጌጋታት ብተደጋጋሚ ኸም ዚፍጸም እዩ ዝህበር ዘሎ። ቦታታት ኣምልኾን ናይ ግብረ - ሰናይን ማእከላን እንደገና ብዓመጻ ምእንቲ ኸይጽሎ ኣቓልቦ ክግበረሉ ኣለዎ። እዚ ጌጋታት እዚ እንደገና ኸም ዘይፍጸም ንምርግጋጽ ድማ መገድታት ምርካብ ኣብ ሃገረ እስራኤል እዩ ዝምርኰስ። ድላይ እንተ ኣልዩ ከአ መገዲ ኺርከብ ከም ዚኽእል እኣምን እየ" በሉ።

እቲ ኣብ ቃዛ ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ቕልውላው ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኸምኡውን ህጹጽ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ - "እቲ ዅነታት ክስገር ዘይከኣል ብምዃኑ፣ ብርግጽ ከም ዝኽሰት ርግጸይናታት ኢና። ከም ሓቁ እኳ ደአ ከምቲ ብዙሓት ኣህጉራውያን ትካላት ዝህባኦ ዘለዋ ጸብጻባት፣ እዚ ደማ እቲ ትሓቢኡ ዘሎ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ዘሎ ሓድሽ ኣጽዋር ጥሜት ማለት ዓጸቦን ሕጽረት ምግብን እዩ።"

ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዘሎ ሽምግልና

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ኻልእ ዓብዪ ግንባር ማለት ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ከምኡውን ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዘድሊ ሽምግልና ወይ ናይ ሰላም ርክባት ኺግበር ዝከኣል ምዃኑ እንገልጹ ድማ  "ቅድስቲ መንበር ገለልተኛት ከም ዘይኰነት ጌርካ ኽትኽሰስ እትኽእል ኣይመስለንን። ሓቂ ኽንዛረብ ከለና ኣብ ጐድኒ ኽልቲኡ ወገን ደው ክንብል ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ መገዲ ኽንረክብ ወትሩ ጽዒርና ኢና" ክብሉ ውን መስከሩ።

ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝልዓል ሕቶታት ንምምላስ ዝሓለፈ ቀዳም ምስ መራሒ ናይ ወጻኢ ርክባት ፓትርያርክ ሞስኮ ኣብ ከተማ ቮሎኮላምስክ ዝገበርዎ ኣኼባ ንዝለዓላዕለ ሕቶታት መልሲ እንክህቡሉ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነዚ ኣጋጣሚ እዚ "ኣወንታዊ" ኢዩ ዝንበረ ብምባል ከምዚ ድማ በሉ - "ዝርርባትን ርክባትን ምዕቃብ ከምኡውን እዚ ምስ ፓትርያርክ ሞስኮ ቀስ ብቐስ ዝያዳ ልዑላውን ሃናጽን ርክብ ንምምላስ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ኣድላዪ ኢዩ" በሉ።

ሃገረ ኮንጎ ብዓመጻ ትዓኑ ኣላ

ብፁዕነቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብታ ምብራቓዊ ክፋል ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እትርከብ ኢቱሪ እትበሃል ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝወረደ መጥቃዕቲ ንክርስትያን ምእመናን እተዋህበ "ሓደገኛ ምልክት" እውን ጠቒሶም። ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ እቲ በቶም ተቐናቐንቲ ጉጅለታት እተፈጸመ "ሃይማኖታዊ ስፍሓት ዘለዎ ምዃኑ፣ ነቲ ጸገም መሊሱ እዩ ዜጋድዶ ዘሎ" በሉ።

29 Jul 2025, 15:39