ዝኽሪ ምዕላብ ኣፖሎ 11 ኣብ ወርሒ፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ጠፈርተይና ኣልድሪን ተዘራሪቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 እታ ብኣፖሎ 11 እትጽዋዕ መንኮርኮር ኣብ ወርሒ ዝዓለበትሉ ዝኽሪ መበል 56 ዓመት ዕለት 21 ሓምለ ምሸት ምስቲ ሓደ ካብቶም ነታ ሳሩኽ ዝመርሑ ጠፈረተይና ቡዝ ኣልድሪን ከም ዝተዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ምምሕዳር ኣየርን ህዋን - NASA ዕለት 16 ሓምለ 1969 ዓ.ም. ኣፖሎ 11 እተሰምየት ሳሩኽ ንፈለማ ግዜ ጠፈርተይናታት ጽዒና ናብ ወርሒ ምብጻሕ ከም ዘካየደን ዕለት 20 ሓምለ ኒል ኣርምስትሮንግ ካብታ ሱርኽ ብምውጻእ ኣብ ወርሒ እግሩ ዘንበረ ናይ መጀመርታ ሰብ ክኸውን እንከሎ፡ ቡዝ ኣልድሪን ድማ ካልኣይ ኣብ ወርሒ እግሩ ዘነበረ ሰብ ከም ምዃኑ ክዝከር እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ምስ ኣልድሪን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ "ዝኽሪ ናይቲ ታሪኻዊ ፍጻሜ ሓሳብ ንሕሳብ ከም እተለዋወጡን ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ ዕብየት እግዚኣብሔርን ክብሪ ሰብን ዘዘንትው መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 8 መሰረት ገይሮም ድማ ብዛዕባ ምስጢር ፍጥረትን ዕብየቱን ተኣፋፍነቱን ከም ዘስተንተኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ምስ ኣልድሪን ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ርክብ ቅድሚ ምዝዛሞም ነቲ ጠፈርተይናን ስድርኡን ተሓባበርቱን ከም ዝባረኹን ድሕሪ እዚ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ቡዝ ኣልድሪን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ኣነን ኣንካን ኣብ መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ምዕላብ ኣፖሎ 11 ኣብ ወርሒ፣ ካብ ቅዱስነቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ልዑል በረኸት ብምቕባልና ኣመስጊንናን በዚ ድማ ብሓቂ ተንኪፍናን ኢና። ከመይ ዝበለ ዓቢይ ክብሪ እዩ! ንኹሉ ወዲ ሰብ ሰናይ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ምዕባለን ድማ ብሓባር ጸሊናና ዝብል መልእኽቲ ከም ዝፈነወን ንዓመታዊ ዝኽሪ ምዕላብ ኣብ ወርሒ መኮርኮር ኣፖሎ 11 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብቲ ንዕረፍቲ ኣብ ዝርከብሉ ከተማ ካተል ጋንዶልቮ ኣብ ዘሎ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ጥንታዊ ዝኾነ ናይ ቫቲካን ቤት ስነ ምርምር ህዋን ስነ ክከዋኽብትን ማእከል ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ቅዱስነቶም ሰሉስ ዕለት 29 ሓምለ ካብቲ ንዕረፍቲ ዝርከብሉ ኣብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ዘሎ ጳጳሳዊ ህንጻ ናብ ሃገረ ቫቲካን ክምለሱ ምዃኖም የመላኽት።