MAP

2025.07.13 Santa Messa nella Parrocchia Pontificia di San Tommaso da Villanova

ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ፣ ንምምጻዕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓንጐፋይ ኢላ ትቅበል

ኣብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ብዙሓት ሰባት ካብ እተፈላለየ ከባቢታት ዝመጹ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጽህትን ዝርከብዎም፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብቲ ከተማ’ቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍ ብድሙቕ ኣቀባብላ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰንበት ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ካብቲ ንዕረፍቲ ዝርከቡሉ ዘለዉ ኣብ ከተማ ካርስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ቪላ ባርቨሪኒ እተሰምየ ናይ ዕረፍቲ ገዝኦም ወጺኦም፣ ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ናብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ቶማስ በዓል ቢላኖቫ ብጐደና ኮርሶ ደላ ሪፓብሊካ እንክሓልፉ ብዙሓት ምእመናን ኣብ ወሰናስን ናይቲ መንገዲ መጺኦም ሓጐስን መዛሙርን ጣቕዒት ዝተሰነ ድሙቕ ኣቀባብላ ገበሩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቲ ጸቢብ ጐደና እንክሓልፉ ነታ ተጻዒኖማ ዝነበሩ መኪና ምስቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ሕዝቢ ኣኽሊ ኣይነበረን፣ ኣብ መንጎ ኽልተ መስርዕ ምእመናን ክትጐዓዙ ድማ ዘጸግም ነበረ። እዚ መገዲ እዚ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነብሩሉ ዘለዉ ቪላ ባርበርኒ ናብ ቅርዓት ፍሪደም ዘራኽብ ጐደና ኢዩ፣ ኣብኡ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መሥዋዕተ ቅድሴ ኣዕሪጐም ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ድማ ኣብ ቅርዓት ፍሪደም ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር መሪሖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዕለት 6 ሓምለ ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ኻብ ዚበጽሑ ኣትሒዞም፣ ንመጀመርታ ግዜ ኣባኡ ሓፈሻዊ ዝኾነ ህዝባዊ መደባት ኢዮም ዘካየዱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ህዝብን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንዅሉ ሰብ ሰላም ክብሉ ይፍትኑ ነበሩ። እቲ ኻብ ኣባይትን ድኳናትን ልዕሊ ሓደ ሜተር ርሒቑ ነዋሕቲ መናድቕን ደቂ እቲ ዓዲ ዀኑ ሰብ ድኳናትን ብመሳኹቶም ተቐልቒሎም እናጨርሑን ገለድማ ናብ ደገ ብምጻእ ክቡርን ቅሙቕን ገበሩሎም።

እቶም ናይ ዓመተ ኢዮቤል ቆብዕ እተኸድኑ በጻሕትን ነጋድያንን ንነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ ብፍሽኽታ ዝመልኦ ገጽን ሕጉስ ልብን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ብ3 ሓምለ እተወፈየትሎም ናይ ኤለክትሪክ ማኪናኦም እንክጕዓዙ ደድሕሪኦም ክስዕብዎ ይህንጠዩ ነበሩ ።

ስልማት ደቅሰብ

እቲ ኣብ ጐደናታት ዝነበረ መጕልሒ ድምጺ ድማ ካብቲ ቤተክርስቲያን ዝቃላሕ ናይ መዛሙራት ቅዳሴ ዜማታትን መዛሙን የቃልሕ ነበረ፣ ጸጸኒሖም ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቘልዑን ህጻናትን ምእንቲ ኺባርኹ ነቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ እሙናት ሰላም ምእንቲ ኺብልዎምን፣ እታ ተጻዒቦማ ዝነበሩ መኪና ቐስ ኢላ ኢያ ትጕዓዝ ዝነበረት።

ብቋንቛታት እንግሊዝ ብፖርቱጋል ጣልያን ከምኡውን ብኻልእ ቋንቋታት ዝጨርሕ ድምጺ ድማ ካብ መንጐ እቲ ሕዝቢ ይስማዕ ነበረ። ካብ ቈልዑን ንህጻናትን፣ ጕጅለታት መንእሰያት ኣባላት ቍምስናን፣ ካብ ካህናትን ደናግልን፣ ካብ ሰብ ብሽክለታን፣ ኣኽላባት ዝሓዙ ሰባትን ከምኡውን ሰንደቕ ዕላማ ናይ ዓድታቶም እናወዛወዙን ብዙሓት ሰባት ነቲ ጐደና መልኦሞ ነበሩ። እቶም ኪበጽሑ ዝመጹ ሰባትን፣ እቶም ንነዊሕ እዋን ኣብታ ከተማ ነበርቲ ዝኾኑ ሰባትን ስምዒቶም ብንጹር ይርአ ነበረ።

ሓንቲ ስድራ ቤታ ኻብ 1948 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ጥቓ እቲ ጳጳሳዊ ቍምስና፣ ሓደ ዚውንንዎ ቤት ምግቢ ሶር ካፓና ዝተሰምየ ዘላ ኣሱንታ ፈሪኒ ዝተባህለ ጓል እቲ ዓዲ "ጳጳስ ከም ጐረቤትና ኮይኖም ኢዮም ዝስምዑና" በለት። ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ዝርርብ ድማ እቲ እተሰምዓ ሓጐስ ንብጾታ ኸተካፍሎም ከላ "ብጥቓ እቲ ህዝቢ ስለ ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ተመክሮ እዩ ዝነብረ" በለት።

"ሊዮ መበል 14 እንደገና ኺበጽሓና ተስፋ እገብር"

ዋና ናይቲ ላ ስካርፔታ ዚበሃል ቤት ምግቢ ዝዀነ ፒርሉጂ ፎርቲኒ "ብሓቂ ሠናይ ኢዪ!" በለ። "ካብ ንግሆ ኣትሒዙ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ክርከቡ ምርኣይ ዘደንቕ ኢዩ" ክብል ውን ዝተሰምዖ ሓጐስ ገለጸ።

አቶ ፎርቲኒ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኢዩ ቤት ምግቡ ዝኸፈተ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ብቕርሚኡ ከም ዚሓልፊ እውን ሓሲቡ ኣይፈልጥን እዩ ዝነብረ።

"ንዅሉ ሰደቓታትን መናብርን ካብ ኮርሶ ደላ ሪፓብሊካ ንምልዕዓል ትማሊ ምሸት ደንጒና ኢና ስረሕ ዓሲና፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ምርኣይና፣ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ፣ እዚ ፈጺምና ዘይንርስዖ ነገር ኢዩ።"

ወሲኹ ድማ "ቅዱስ ኣቦና ንካስተል ጋንዶልፎ ክፈትውዎን ብተደጋጋሚ ኺበጽሓናን ተስፋ እገብር" ድማ በለ።

ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ካስተል ጋንዶልፎ

ሜጋንን ፖል ላኖስን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ምምርዓዎም ኣብ ኢጣልያ ንሕጽኖርት ካብ ኒው ዮርክ ዝመጹ ሰብ ሓዳር ኢዮም፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ምስ ረኣይዎም ንሓዳሮም ከም ሓደ ፍሉይ ቡራኬ ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዕዎም።

"ብሓቂ ፍሉይ ዕድል ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እውን ካብ ከተማ ኣመሪካ ስለ ዝዀኑ፣ እታ ካብ መበቈል ዓዶም ዝኾነት ሜጋን ድማ ከምዚ በለት - "ኣነ ክኣምን ኣይከኣልኩን!” ።

ኣባ ሪቻርድ ስትራዛ ዳ ሲልቫ ዝተባህሉ ካህን ብራዚላዊ ምስ ክልተ ብጾቶም ካህናት ኣብ ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ዝርከቡ ናብ ካስተል ጋንዶልፎ ካይዶም ኣይፈልጡን ኢዮም፣ ዝገደደ ድማ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 በኸምዚ ቅርብ ኢሎም ክርኢዎም ሰላም ክብልዎምን ሓሲቦም ውን ኣይፈልጡን።

"እዛ መዓልቲ እዚኣ ንዓና ፍልይትን ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥን መዓልቲ ኢያ" በሉ። "ነዛ ብተፈጥሮ እተኸበት ጽብቕቲ ከተማ ምርኣይን ኣድማሳዊት ነት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንእሽቶ ቦታ ክተስተማቕር ምኽኣልን ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዝፈጥረልካ" ክብሉ ውን መስከሩ።

ንጳጳስ ሊዮ መበል 14 ስለቲ ተልእኾኡ ምስጋናኡ

ሓንቲ 74 ዓመት ዝዕድሚዐ ካርሜላ ኡማና ትብሓል ኣደ፣ ኣብታ ኸተማ ን40 ዓመት ተቐሚጣ ኣላ፣ ኣባል እቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ማእከል ማሪያፖሊስ ዘለዎ ምንቅስቓስ ፎኮላሪኒ ድማ እያ ።

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክመጹ ከለው ምስ ሰማዕኩ፣ ኣብ ውሽጠይ ገዛይ ክጸንሕ ኣይከኣልኩን፣ ንኽቕበሎምን ሰላም ንኽብሎምን ከምኡውን ስለቲ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ምምራሕ ዝሃቦ 'እሺታ' ከመስግኖም ኢየ ዝደሊ ነበርኩ" በለት። "ጸሎትናን ደገፍናን ከም ዜድልዮም ምፍላጠይ የሐጕሰኒ እዩ። ከም ናይ መጀመርታ ዜጋ እዛ ኸተማ እዚኣ ኢዮም፣ ከንቲባ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም ደቂ ሰብ ስለ ዚውክል ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ" ክትብል ውን መስከረት።

15 Jul 2025, 15:34