MAP

'ንስኻ ኢኻ ተስፋይ'፡ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ንታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት 'ንስኻ ኢኻ ተስፋይ'፡ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ንታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት  (ANSA)

'ንስኻ ኢኻ ተስፋይ'፡ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ንታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት

ቤተ ክርስቲያን ሰንበት ዕለት 16 ሕዳር 2025 ዓ.ም. ታሽዓይ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ድኻታት ንምኽባር ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ፡ “ንስኻ ኢኻ ተስፋይ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እዚ ዓመት ኢዮቤል’ዚ ድማ ንኣረጋውያንን ሓድሽን ወለዶ መልክዕ ድኽነት ንምምካት ዝዓለመ መምርሕታት ንምምዕባል ዘተባብዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መዝሙረ ዳዊትን ብድኽነት ዝሳቐዩ ዝነብርዎ ተመክሮን ኣቃልቦ ገይሮም፣ ክርስትያን ንድኻታት ከም ግኡዝ ነገር ዘይኮነስ ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ተስፋ ከለልይዎም ኣብ መልእኽቶም ተላብዮም፣ ብተወሳኺ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. "ድኻታት ንምድጋፍን ንምሕጋዝን ሓደስቲ ተበግሶታት" ንምትግባር ዝሕግዝ ኣጋጣሚ ክኸውን ከምዝኽእል ተስፋኦም ገሊጾም፣ "ዕዮ፣ ትምህርቲ፣ ኣባይትን ጥዕናን መሰረታት ናይቲ ብኣጠቓቕማ ኣጽዋር ፈጺሙ ዘይርከብ ውሕስነት ምዃኖም" ብኣጽንዖት ይሕብሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ዕለት 13 ሰነ ኣብ በዓል ቅዱስ እንጦንዮስ ዘፓዱዋ ሓላዊ ድኻታት ዝተዘርግሐ ኮይኑ ፡ ምእመናን ነቲ ኣብ ዓለምና ሰፊኑ ንዘሎ ዘይምርግጋእ ክርስትያናዊ ተስፋ መልሲ ምዃኑ ዳግማይ ከስተውዕልዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ “ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ምግባር ዘሕፍር ኣይኮነን” ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ “ተስፋና ኣብ ህያው ኣምላኽ እዩ” እንክብል ዝሃቦ መረጋገጺ መሰረት ገይሮም የተሓሳስቡ።

ኣብ መንጎ ጸገም ተስፋ ዝገብሩ መሰኻኽር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ድኻታት ዋላ እኳ ንዋታዊ ውሕስነት እንተተሓረሞም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዓሚቝን ነባርን ተስፋ ብኸመይ ከም ዘንጸባርቑ ሓቢሮም፣ “ውሕስነት ኣብ ስልጣንን ንብረትን ክምርኮሱ ኣይክእልን እዩ . . . ተስፋ ኣብ ካልእ ቦታ ክድለ ናይ ግድን እዩ፣” ልክዕ ኣብዚ ተቓላዕነት እዚ እዩ “ንሕና’ውን ካብ ሓላፊ ተስፋ ናብ ነባሪ ተስፋ እንሰጋገር” እንክብሉ ገሊጾም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም፡ “እቲ ዝኸበደ መልክዕ ድኽነት፡ ንኣምላኽ ዘይምፍላጥ እዩ!” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Evangelii Gaudium - ናይ ወንጌል ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን “ንእምነት ፍሉይ ክፉትነት ዘለዎም” ድኻታት መንፈሳዊ ሓልዮት ክኽልከሎም የብሉን” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ የዘካኽሩ።

ተስፋ ከም መልሕቕ

ልዮን መበል 14 ቀጺሎም ቀዳሞት ክርስትያን ንተስፋ ከም መልህቕ ጌሮም ከም ዝቖጽርዎ ብምዝኽካር:- "ልክዕ ከምቲ መብጽዓ ጐይታና ኢየሱስ ንልባትና መሰረት ዝኾኖ ክርስቲያናዊ ተስፋ መልህቕ እዩ” ብምባል፣ ኣብዛ ብኲናትን ምዝንባልን ምንቁልቋል ከባብን እትሳቐ ዘላ ዓለም፡ እዚ ተስፋ እዚ ንኽብሪ ደቂ ሰባት ኣጽኒዑ ዝሕዝ መልህቕ ኮይኑ ይቕጽል። ምግባረ ሰናይ መብጽዓ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓጎስን ብሓላፍነትን ክሕቆፍ ዘለዎ ክውንነት እዩ”  እንክብሉ የስተብህሉ።

ካብ ከተማ ሰብ ናብ ከተማ ኣምላኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ እምነትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዘሎ ቀጥታዊ መስመር ኣመላኺቶም፡ ድኽነት ካብ መዋቕራዊ ሱሩ ክእለ ኣለዎ ዝብል ካብ ነዊሕ እዋን ዝቐርብ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን መሰረት ገይሮም ብምምልካት፣ “ድኽነት ክእለይን ክውገድን ዘለዎ መዋቕራዊ ጠንቅታት ኣለዎ፣” ቤተክርስቲያን ንዕዮ፣ ትምህርቲ፣ መንበርን ክንክን ጥዕናን ንዝብሉ ኣድማሳዊ መሰላት ዘለዋ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ ምምርሕታት ክቐርብ ትጽውዕ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ዘይምግዳስ ዝመልኦ ባህሊ ብምዅናን፣ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ተባሂሉ ዝርአ መናበዪ መግቢ ከምኡውን ኣብያተ - ትምህርቲ ጠቒሶም፣ "ድኻታት ንቤተ-ክርስትያን ኣቓልቦኣ ዝሰርቁ ዘይኮኑስ ፍቑራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢዮም። . . . ምስ ወንጌላዊ ሓቂ ከም እንራኸብ ዝገበሩና" እንክብሉ የረጋግጹ።

ናይ ሓላፍነት ኢዮቤል

ናይ ሎሚ ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ምስቲ ቀጻሊ በዓል ኢዮቤል ብቐረባ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣዘኻኺሮም፦ “ቅዱስ ማዕጾ ምስ ተዓጽወ፡ ነቲ ዝተዋህበና መለኮታዊ ህያባት ከነኽብሮን ንኻልኦት ከነካፍልን ኣሎና።” ስለዚ፡ ኣመንቲ ንድኻታት ከም ተቐበልቲ ክንክን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሎሚ ወንጌል እንነብረሉ ሓድሽ መገዲ ንኽንረክብ ዘነቓቕሑና መሃዝቲ ኣካል" ገይሮም ኪርእይዎም ተማሕጸኖም፣ ኣስዒቦም ነቲ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ኣብ ልዕሊ ተራ ልግሲ ፍትሒ ሕጹጽ ምዃኑ ዘስመረሉ ጥበብ ኣቃሊሖም፣ “ንዝጠመዩ እንጌራ ትህቦም፣ እቲ ዝበለጸ ግን ዝጠመየ ሰብ እንተዘየሎ እዩ!” ምስ በሉ፣ መደምደምታ ንኹሉ ሰብ ንማርያም መጸናንዒት ውጹዓት ሓደራ ቢሎም፣ ንቤተክርስትያንን ዓለምን፣ እቲ ኣብ ምስጋና ንዓኻ ኦ ጎይታ ዝብል ጸሎት ዘሎ፥ “ኦ ጐይታ ተስፋና ኣባኻ እያ፣ ከቶ ብኸንቱ ተስፋ ኣይንገብርን” ዝብል ቃል ናብ ሰማይ ልዕል ከብላ ይዕድሙ።

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2017 ዓ.ም. ክርስትያንን ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከስተንትኑን ስጉምቲ ክወስዱን፣ ሰባት ምስቶም ድኽነት ዘጋጥሞም ክራኸቡን ዑደታት ድኽነት ንምውጋድ ክሰርሑን ብምትብባዕ ዘበገስዎ ዓመት መጸ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መበል 33 ሰንበት መደበይና ግዜ ተዘኪሩ ክውዕል ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

14 Jun 2025, 17:33