MAP

ሰነዳዊ ፊልም፡ "ልዮን በዓል ፔሩ"

ድሕሪ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዕለት 8 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ንጉዕዞ ወንጌላዊ ልኡኽ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ኣብ ፔሩ ብሓድሽ ሰነዳዊ ፊልም ይድህስስ፣ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ብወግዒ ተዘርጊሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ወንጌላዊ ልኡኽ፡ ቆሞስ፡ ፕሮፌሰር፡ ሃናጺ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት፡ ጳጳስ፡ ብጻይን . . . “ልዮን በዓል ፔሩ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሓድሽ ሰነዳዊ ፊልም ኣሰር ናይቶም ሕጂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 - ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ዝስዕብ እዩ። ብጋዜጠይናታት መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ሳልቫቶረ ቸርኑዚዮ፣ ፌሊፐ ሄረራ - ኤስፓልያን ኻይመ ቪዝካይኖ ሃሮን ዝተዳለወ እዚ ሰነዳዊ ፊልም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ኣጎስጢኖሳዊ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣብ ላቲን ኣመሪካዊት ሃገረ ፐሩ ዘሕለፍዎ ዓመታት ዘዘንትው እዩ።

ኣብ መላእ ቹሉካናስ፡ ትሩኺዮ፡ ሊማ፡ ካላኦን ቺክላዮን ዘሕለፍዎ ህይወት ዘዘንትው ኮይኑ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ከተማታት፡ ዓድታት፡ ዞባታት፡ ከባቢታት፡ ሰበኻታት፡ ኣብያተ ትምህርትን ሃይማኖታዊ ኣባይትን ይትንክፍ።

ኣብዘን ቦታታት እዚኣተን ካህን ድሒሩ ድማ ጳጳስ ፕረቮስትን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ስብከት ክልግሱን ክምህሩን፣ ሰብ ውፉይ ህይወት ክሃንጹን፣ ምስ መንእሰያት ክራኸቡን ብሓባር ዕለተ ልደቶም ከብዕሉን  ኣብ ሞንጎ ከም ውሕጅ ኤል ኒኖን ለበዳ ኮቪድ - 19ን ዝኣመሰሉ መዓት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ንጡፍ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ከካይዱን ዘርእይን ጉስነታውን ማሕበራውን ስርሖም ብብዙሕ ዛንታታት ናይቶም ምስ መጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሓባበሩ ካብ ዝነበሩን ካብኦም ምስማዕን ደገፍን ሓገዝን ዝረኸቡ ሰባት ዝህብዎ መግለጽታት ዘጠቓልል ሰነዳዊ ፊልም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።።

እቶም ሕጂ ናይ ካላኦ ቹሉካናስን ጳጳስ ዘጠቓለለ ካብ ጳጳሳት ዝመጽእ ምስክርነት፡ ኣውጉስቲናውያን ደቂ ማሕበሮም መንሰያት፣ ኣብ ኣዝዩ ድኻ ብኮቪድ - 19 ኣዝዩ ዝተሃስየ ዞባ ፓቻኩተክ ዝርከቡ ቆሞስ ኣባ ክሪስቶፈ ንታጋንዝዋ ዝሃብዎ ምስክርነትን ኣብቲ ግዝኣት እቲ ሽዑ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ዝነበሩ ፕረቮስት ነቶም ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩን ስራሕ ኣልቦን ንዝኾኑ መግብን መድሃኒትን ብምቕራብ ዘሳልጥዎ ዝነበረ መደብ ግብረ ሰናይን ምስቲ ከም ጳጳስ ቺክላዮ ነቲ ብውሕጅ ምዕልቕላቕ ማይን ኣዚዩ ዝተጎድአ ህዝቢ ብትብዓት ናብቲ ብማይ ዝተዓብለለ ጎደናታት ብምኻድን ዘቕርብዎ ዝነበረ ሓግዝን፣ ኣብ ቺክላዮ ጨንፈር ካሪታስ ሓላፊ ኻኒሳ ሴሳ ዘሳልጥዎ ዝነበረ ወፈረታት ግብረ ሰናይ ኣማእኪሎም ዝሃብዎ ምስክርነትን ንጽጉማት ኣባይቲ ስድራ ዕለታዊ እንጌራ ንምቕራብ ኣብ ትሩኺዮ ዘካይድዎ ዝነበረ መደብ ዘዘንትው ሰነዳዊ ፍልም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፣ እታ ፊልም ካልእ ብዙሕ ውልቃዊ ዛንታታት ዝሓዘት ኮይና፡ ሲልቭያ፡ ብደናግል ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ካብ ህይወት ምንዝርና ዝደሓነት፡ ትብዓታ ድማ ንፕረቮስት ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብፍሉይ ዝምልከት ሽማግለ ንኸቑሙ ዘነቓቐሐት፤ ከምኡ እውን ንሄክተርን ጓሉ ሚልድሬድን ዝነበርዎ ኣባታዊ ሓልዮትን ነፍሲ ወከፍ ካብዞም መሰኻኽር ካርዲናል ፕረቮስት ዕለት 8 ግንቦት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ናብ ቅዱሰንቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽታት ዝሓዘ ፊልም እውን ከም ዝኾነ እዛ ሰነዳዊት ፊልም ኣብ ቀረባ እዋን ብወግዒ ብናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ክትመሓላለፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

23 Jun 2025, 09:32