ር. ሊ. ጳ. ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ማርያም ዘዕረግዎ ጸሎተ መቝጸርያ - ምስ ማርያም ንጕዓዝ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 31 ግንቦት ኣብ መዛዘሚ ናይታ ንድንግል ማርያም እተወፈየት ወርሒ ግንቦት ኣብ ስፍራ ኣታክልቲ ሃገረ ቫቲካን ዑደት ጸሎተ መቍጸርያ ተኻይዱ። ልክዕ ሰዓት 8 ድሕሪ ቀትሪ መእመናን ከተማ ሮማን ኣብ ቅርዓት ናይታ እታ ቫቲካን እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሓበሻ ተኣከቡ፣ ካባኡ ድማ ናብ በዓቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርደስ ብጸሎተ መቝጸርያ እተሰነ ናይ ሽምዓ ምብራህ ዑደት ኣካየዱ።
ኣብቲ ዑደት ጸሎተ መቝጸርያ፣ ነቲ ኣብ ህይወት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ዝነበረ ኣገዳሲ ህሞት ማለት ምብጻሕ እኖና ድንግል ማርያም ናብ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ፣ ንኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ከም ዘወፈየቶን ከምኡውን ነቲ ወዲ 12 ዓመት ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝጐነፎ ኩነታትን ብምስትንታን ናብቲ ኣብ ማእከል ስፍራ ኣታክቲ ቫቲካን ዝርከብ በዓቲ ማርያም ሉርድ በጽሑ።
ኣብ መደምደምታ እቲ ዑደት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ኣብ ቅድሚ በዓቲ ማርያም ሉርድ ተኣኪቦም ዝነበሩ ተጸምበርዎም፣ ኣባኡ ድማ ሓጺር ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፈልዎም። ፈለማ ኣብዚ ፍሉይ መደብ ጸሎት ብምስታፎም እተሰምዖ ሓጐስ ገለጹ፣ ነዚ ድማ "ብቐሊልን ብመንፈሳውን መገዲ ኣብ ትሕቲ ጽላል እኖና ድንግል ማርያም እንእከበሉ ምልክት እምነት" ክብሉ ውን ገለጽዎ።
እዚ ጸሎት እዚ ንመንፈስ ዓመት እልልታ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብምምልካር ድማ፣ ኣብ ጕዕዞ ተስፋ ከምኡውን እምነት ዘተኰረ ከም ምዃኑ ውን ኣመልከቱ ።
ብድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ኩሎም ደቂ ሰባት ንህይወቶም ከም ናይ እምነት ጕዕዞ ገይሮም ክርእዩ ኣተባብዕዎም። "እምበኣር ንህይወትና ኸምቲ ሎሚ ምሸት ምስ ማርያም ዝገበርናዮ ደድሕሪ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንመላለሰሉ ጕዕዞ ጌርና ንርኣዮ" በሉ። ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ድማ ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ብኣነባብራኦም መዓልታዊ ንኣምላኽ ንኸመስግኑን፣ ጸጋኡ ክህቦም ንጐይታ ኽልምንዎን ብምዕዳም ድማ ለበዋኦም ኣካፈሉ።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እንተላይ ንካርዲናላት ጳጳሳትን ንካህናት ከምኡውን ንእተወፈዩ በጻሕትን ኣመስገንዎም። ብዛዕባ እተን ኣብ ገዳመ ድግል ማርያም እኖ ቤተክርስቲያን ዝርከባ ኣሓት መነኮሳት ደናግል በነዲክቶሳውያን ብፍሉይ ጠቒሶም "ንቤተክርስቲያንን ንኣገልግሎታን በቲ ስዉርን ቀጻልን ጸሎተን ስለ ዚድግፋ ዘለዋ" ስለቲ ዝገብርኦ ዘለዋ ተወፋይነትን ዘለዎም "ፍቕርን ሞሳን" ገለጹለን።
ኣብ መደምደምታ ኸኣ ንኹሎም ኣብቲ መደብ ጸልት እተሰታፉ ሰላምን ሓድነትን ምስ ኵሎም ቤተሰቦምን ኣብ ማሕበረሰቦም ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያን ከም ዝቕጽል ዘለዎም ተስፋ ገለጹ።