ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ካህናት ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ይቕረጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 27 ሰነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ምኽንያት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዐ ቅዳሴ ን32 ዲያቆናት ማዕርገ ክህነት ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፣ "ተስፋና ኣብቲ ጎይታ ፈጺሙ ከምዘይገድፈና ኣብ ምፍላጥ ዝተመስረተ እዩ” ቢሎም ኣብ በዓለ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ መዓልቲ ንናይ ካህናት ቅድስና እውን ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ሎሚ ዓመት እዛ ዕለት እዚኣ እውን ከም ኣካል ናይ ካህናት ኢዮቤል ከም ዝኾን እውን ኣመላኺቶም፣ ነቶም "ኣብ ቅዱስ መቓብር ሃዋርያ ጴጥሮስ ክጽልዩ ብቅዱስ ማዕጾ ዝሓለፉን ናይ ጥምቀትን ክህነታዊ ጸዋዕታኦምን ዳግማይ ኣብ ልቢ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ" ንዘንብሩ ካህናት ፍሉይ ትርጉም ከም ዘለዎ ነቶም 32 ሓደስቲ ካህናት ኣተሓሳሲቦም፣ ካህናት ኣብ ዕዮ ድሕነት ብኸመይ ኣበርክቶ ከም ዝገብሩ ቅድሚ ምሕሳቦም፡ ምሉእ ምስጢር ስጋዌን ሞትን ትንሳኤን ጎይታ ኣብ ዓለም ህልው ክገብሩ ብሓላፍነት ከም ዝተዋህቦም የዘኻኽሩ።
ፍቕሪ ኣምላኽ ይቐርጸካ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ዕለቱ ካብ ነቢይ ህዝቅኤል ዝተወስደ ምንባብ መሰረት ገይሮም፣ እግዚኣብሔር መጓሰኡ ዝከታተል፡ በብሓደ ኣባጊዑ ዝቖጽር፡ ዝጠፍኡ ዝደሊ፡ ንዝቖሰሉ ዝፍውስ፡ ንዝደኸሙን ዝሓመሙን ዘበርትዕ ጓሳ ምዃኑ ገሊጾም፣ "በዚ ድማ ኣብዚ ሰፊሕን ኣዕናዊን ግርጭታት ዝረኣየሉ ዘመን ፍቕሪ ኣምላኽ ደረት ከምዘይብሉ የዘኻኽረና . . . ገዛእ ርእስና በቲ ፍቕሪ ክንሕቆፍን ቅርጺ ክንሕዝን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ነቕርብ - ከምኡ'ውን ኣብ ኣዒንቲና - ንዝኾነ ዓይነት ምፍልላይን ጽልእን ቦታ ከምዘየለ ክንግንዘብ ተጸዊዕና ኣለና፥
“[ፍቕሪ ኣምላኽ ደረት የብሉን ... በቲ ፍቕሪ ክንሕቆፍን ክንቅረጽን ክንፈቅድ ተጸዊዕና ኢና]”
መዓልታዊ መንገዲ ምልዋጥ
ቅዱስ ኣቦና ካልኣይ ካብ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝተወስደ ምንባብ “ገና ድኹማት እንኮለና . . . ሓጢኣተይናታት እንኮለና” ምስ ገዛእ ርእሱ ከም ዘተዓረቐና የዘኻኽረና። በዚ ንቕሓት እዚ ንርእስና ኣብ መዓልታዊ መንገዲ ምልዋጥ ነቲ ኣብ ልብና ዝሓደረ ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ነቕርብ . . . ምስ በሉ ኣስዒቦም፣ "ተስፋና ጎይታ ፈጺሙ ከምዘይሓድገና ኣብ ምፍላጥ ዝተመስረተ እዩ: ንሱ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንና እዩ ዘሎ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንሱ 'ምንጭን ጫፍ ክርስትያናዊ ሕይወትን' ክሳብ ዝኾነ፣ ልዕሊ ኹሉ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ማእከል ሕይወትና ብምቕማጥ ምስኡ ክንተሓባበር ተጸዊዕና ኣለና። ሓደ ክፋል ናይዚ ሓላፍነት እዚ፣ "ብፍላይ ብተደጋጋሚ ምስጢረ ንስሓ ብምዝውታር ፍረ ዘለዎ ምቕባል ቅዱሳት ምስጢራት" ከምኡ'ውን ብምጽላይን፡ ቃል ኣምላኽ ብምስትንታን፡ ብምምጽዋትን ልብና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምስ ናይ እግዚኣብሔር ልቢ ምትእስሳር ዝሓትት ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓጎስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጓሳ
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ቀጺሎም ካብ ወንጌል ሉቃስ ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ሓጎስ እግዚኣብሔር ከም ዝዛረብ ኣዘኻኺሮም፣ ብፍላይ ድማ ነፍሲ ወከፍ ጓሳ ሓንቲ ካብ ኣባጊዑ እኳ ናብ መጓሰ ምስ እትምለስ ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዝሕጐሱ ኣስተብሂሎም፣ በዚ መሰረት ካህናት "ከም ናይ ኣቦ ብለጋስ ፍቕሪ" ጓሳዊ ፍቕሪ ክነብሩን "ሓደ እኳ ከይጠፍእ ዝብል ድሌት - ኣብ ልቦም ከዕብዩን ዝተጸውዑ ምዃኖም ኣተሓሳሲቦም፣ ኩሉ ሰብ፡ ብኣገልግሎቶም እውን "ንክርስቶስ ክፈልጥን ኣብኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህልዎን ዝተጸውዐ ምዃኑ ከስተውዕልን” ዝገብሩ ክኾኑ ከም ዘለዎም ብምሕባር፣ ስለዚ "ምስ ኢየሱስ ዘለና ቅርበት ከነዕምቖ ኢና ዝተጸዋዕና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዝኾነ ሰብ ዝተጠንጠነ ኮይኑ ክሳብ ዘይስምዖ ፍልልያት ምስምማዕ
ኣገልግሎት ክህነት፡ ናይ ቅድስናን ዕርቅን ስጋ ክርስቶስ ብሓድነት ንምህናጽ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣስሚሮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካህናት “ንኹሉ ናብ ሓድነት ፍቕሪ ክመርሕዎ” ዝከኣሎም ጻዕሪ ክገብሩን ዝኾነ ሰብ . . . ዝተጠንጠነ ኮይኑ ከይስምዖ” ፍልልያት ከሰማምዑ ይምዕድ . . . ነዚ ከም መበገሲ ገይሮም ቅዱስነቶም፣ ኣብቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ - ር.ሊ.ጳጳሳዊ ስልጣኖን ብወግዒ ንኸበግሱ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ “ሓድነት ዘለዋን፣ ምልክት ሓድነትን ሕብረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ዓቢ ድሌት ዘኪሮም፣ ሎሚ እውን ነዚ ድሌት እዚ ከካፍልዎ ከም ዝደልዩ ኣመልኪቶም። ኣብ ነንሕድሕድና ተዓሪቕና፡ በቲ ካብ ልቢ ክርስቶስ ብብዝሒ ዝውሕዝ ፍቕሪ ተጠርኒፍናን ተለዊጥናን፡ ብእምነት ጸኒዕና ንዅሉ ብልግሲ ኽፉታት ኴንና ብትሕትናን ብቘራጽነትን ኣብ ኣሰሩ ንመላለስ" እንክብሉ ተማሕጺኖም
“[ኣብ ሓድሕድና ተዓሪቕና፡ በቲ ካብ ልቢ ክርስቶስ ብብዝሒ ዝውሕዝ ፍቕሪ ተጠርኒፍናን ተለዊጥናን፡ ብትሕትናን ብጽኑዕን ኣብ ኣሰሩ ብእምነት ጸኒዕና፡ ብፍቕሪ ንዅሉ ክፉት ኮይንና ንመላለስ።]”
"ሰላም ናይቲ ዝተንሰአ ጎይታ ናብ ዓለምና ነምጽእ" እዚ ድማ ካብቲ ብኣቦ ከም እተፈቐርናን ከም እተሓርናን ከም እተለኣኽናን ምፍላጥ ዝርከብ ሓርነት ኢዩ" ብምባል ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቀሊል ግን ከኣ ኣገዳሲ ምኽሪ ንሓደስቲ ካህናት
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ሓደስቲ ካህናት እናሓሰቡ፣ "እቲ ክብሎ ዘለኒ ተራ ነገር እዩ፡ ንመጻኢኹምን ንመጻኢ ናይተን ኣብ ትሕቲ ሓልዮትኩም ዝተዋህባ ነፍሳትን ግን ኣገዳሲ ዝኾነ፥
መጀመርታ "ንኣምላኽን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣፍቅሩ፡ ንርእስኹም ድማ ብልግሲ ኣወፍዩ!”
ካልኣይ፡ "ኣብ ምብዓል ምስጢራት፡ ኣብ ጸሎት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣምልኾ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ኣብ ኣገልግሎትኩምን ውዕዉዓት ኩኑ!”
ሳልሳይ፡ "ከምቲ እቲ ዝተወግአ ጎድኒ እቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስን ኣብነት ቅዱሳንን ዝምህረና፡ ብዘይ ተዓቅቦ ብዘይ ኣድልዎን ንመጓሰኹም ቀረባ ኩኑ፡ ግዜኹምን ጉልበትኩምን ንኹሉ ብናጻ ሃቡ" እንክብሉ ተማሕጺኖም፣
ራብዓይ ድማ "ቤተክርስቲያን ኣብ ክልተ ሽሕ ዓመት ታሪኻ፡ ዘደንቕ ኣብነታት ቅድስና ክህነት ከም ዝነበራ - ሎሚ'ውን ከም ዘለዋ ኣይትረስዑ" እንክብሉ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ነቲ ኣብ ዘመናት ዝጸንሐ ሃብቲ ጽኑዓትን ቅዱሳንን ካህናት ኣኽቢርካ ምሓዝ
በዚ መንጽር’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ቀዳሞት ማሕበረሰብ ጀሚራ ሰማእታት፣ ዘይሕለሉ ሓዋርያት፣ ልኡካንን ጎብለላት ዝውፈይ ፍቕሪ ዝኾኑ ካህናት ከም ዘተነሰኣት ኣዘኻኺሮም። "ነዚ ቅዱስ ክብሪ እዚ ኣኽቢርካ ምሓዝ: ዛንታታቶም ምፍላጥን: ህይወቶምን ስርሖምን ምጽናዕን: ጽቡቕ ባህርያቶም ከም ኣብነት ብምስዓብ: ብቕንኣቶም ተደሪኽኹም: ከይተሓለልኩምን ጸኒዕኩም ኣማላድነቶምን ጸውዑ!"
"ብዙሕ ግዜ - ይብሉ - ናይ ሎሚ ዓለም ኣጠራጣርን ሓጺር ዕድመ ዘለዎምን ኣብነታት ዓወትን ክብርን እያ እተቕርብ። በዞም ኣብነታት እዚቶም ክትማረኹ ኣይትፍቀዱ! እንታይ ደኣ ናብቲ ብተደጋጋሚ ዓው ዓው ዘይብሉ ህቡእን ትሕትና ዝመልኦን ጽኑዕ ኣብነትን ሓዋርያዊ ፍረነትን ርኣዩ፣ እቶም ብእምነትን ተወፋይነትን ህይወቶም ኣብ ኣገልግሎት ጐይታን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዘሕለፉ፣ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ኣብነት ተኣማንነት ዝኽሮም ህያው ምግባር . . . ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቶም ሓደሽቲ ካህናት ንፍቕራዊ ሓለዋ ኣደ ካህናትን ኣደ ተስፋን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ገዛእ ርእሶም ከማዕቍቡ ዓዲሞም፣ "ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ልብና ምስቲ ልዑልን ዘለኣለማውን ጓሳ ክርስቶስ ብዝያዳ ምእንቲ ክንመስሎ፡ ስጉምትታትና ትመርሕን ትድግፍን" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።