ልዮን መበል 14፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ ቅድድም ብሽክለታ ንዝሳተፉ ተቐቢሎም ስለገስዎ ቃለ ምዕዳን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ሊዮን መበል 14 ነቶም ካብ 29 ሃገራት ዝመጹ ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ - ቅድድም ብሽክሌታ ዙር ኢጣሊያ ዝሳተፉ 159 ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ቅድሚ ብከተማ ቫቲካን ምሕላፎም፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ፣ እቲ ብሃገረ ቫቲካን ዝሓልፍ ክፋል ናይቲ ቅድድም ብሽክለታ ፍልይ ዘብሎ፣ ህድኣት ዝዓሰሎ ግጥም ዘይረኣየሉ ዙር ምዃኑ ብምዝካር፣ እዚ ድማ ሓቀይና ዓወት ንካልእ ዘበረታትዕ እምበር ዝንዕቕን ኣትሒቱ ዝርእን ከም ዘይኮነ ዘዘኻኽር እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ እዚ - ኣብ መንጎ ቫቲካንን ቅድድም ብሽክለታን - ጂሮ ዲ ኢታሊያ (ዙር ኢጣሊያ) ምስ መንፈሳዊ ውርሻ ዘለኣለማዊት ተባሂላ ምስ እትጽዋኦ ከተማ ሮማ ክጣመር ዝብል ድላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘንቀሎ ተበግሶ ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብ 2025 ዓ.ም. ቅድድም ብሽክሌታ ጂሮ ዲ ኢታሊያ ተቐዳደምቲ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ብቫቲካን ዝሓልፍ ክፋል ናይቲ ዙር ተቐዳደምቲ ዕለት 1 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብቅዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም፡ ቅዱስነቶም ምውቕ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተተባበዐ ልምዲ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ጂሮ ዲ ኢታሊያ ተሳተፍቲ ስፖርተይናታት ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፣ "ሰናይ መዓልቲ እምነየልኩም! እንቋዕ ናብ ሃገረ ቫቲካን ብደሓን መጻእኩም - ቢሎም - ኣብዚ ናይ መወዳእታ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ - ቅድድም ብሽክለታ ዙር ኢጣሊያ እትሳተፉ ተቐቢለ ሰላምታይ ከቕርበልኩም ብሓቂ ደስ ይብለኒ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንነፍሲ ወከፍኩም እተባርከት መዓልቲ ክትኮነልኩም ተስፋ እገብር" ስፖርቲ ግጥም ጥራሕ ዘይኮነስ ሰገር ዶብ ምዃኑን ንኹሉ ዝሓቁፍ ዘለዎ ክቡር ዋጋ ኣጒሊሖም፣ ስፖርተይናታት ኣብ ኩሉ ቦታ ንዝርከቡ መንእሰያት ኣርኣያ ክኾኑ ተላብዮም፣ "ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት ኣብነት ንኽትኮኑ ዝተጸዋዕኩም ምዃንኩም ኣይትረስዑ። ጂሮ ዲ ኢጣልያ ብዕምቆት ዝፍቶ ቅድድም ብሽክለታ እዩ - ኣብ ኢጣልያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብመራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ እዩ" ምስ በሉ እቲ ንስፖርተይናታት ዝገልጽ መንፈስ መስዋእትን ምሕዝነትን ንኢዶም፣ "ስለ እተቃልሕዎ ክቡር ዋጋ የቐንየልና - ሓቀይና ኣብነታት ኢኹም። ከምኡ'ውን ልክዕ ከምቲ ንኣካላትኩም እትከናኸንዎ፡ መንፈስኩም እትከናኸኑ ክኽትኮኑ እላበው። ኩሉ ግዜ ንኹሉ ሰብነትኩም፡ ማለት ንስጋኹምን፡ ንሕልናኹምን፡ ምንፈስኹምን ትኩራት ኩኑ - ቡራኬይ እህበኩም እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።