MAP

2025.06.06 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፥ ንቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቓሳት፡ ንኢየሱስ ኩሉ ግዜ ኣብ ማእከል ምሓዝ 2025.06.06 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፥ ንቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቓሳት፡ ንኢየሱስ ኩሉ ግዜ ኣብ ማእከል ምሓዝ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፥ ንቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቓሳት፡ ንኢየሱስ ኩሉ ግዜ ኣብ ማእከል ምሓዝ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንናይ ዓለማውያን ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ሓደሽቲ ማሕበረሰባትን ኣወሃሃድቲ ዕለት 6 ሰነ ተቐቢሎም፣ ሃይራርቃውን መንፈሳዊ ህያባትን ከም ኣገደስቲ መዳያት ቤተ - ክርስቲያን የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ሰነ መራሕቲ ንናይ ዓለማውያን ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ሓደሽቲ ማሕበረሰባትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ኩሉ ግዜ ንጐይታ ኢየሱስ ኣብ ማእከል” ጉዕዞኦም ክገብሩ ኣተባቢዖም። እዚ ድማ “እቲ ኣገዳሲ ነገር እዩ፣ መንፈሳዊ ህያባት ድማ ነዚ ዕላማ እዚ ንምግልጋል ዝዓለመ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ብናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘዳለዎ ብቅድቲ መንበር ተፈላጥነት ናይ ዘለወን ናይ ዓለማውያን ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ሓደሽቲ ማሕበረሰባትን መራሕቲ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተባእያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተቕዋማውን መፍንፈሳውን ህያባት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ገለ ሓባራዊ ሓዋርያዊ፡ ግብረ ሰናይ ወይ ሊጡርጊያዊ ውጥናት ንምፍጻም ወይ ኣብ ፍሉይ ማሕበራዊ ኩነታት ንክርስትያናዊ ምስክርነት ንምድጋፍ” ዝተመስረታ ናይ ዓለማውያን ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ሓደሽቲ ማሕበረሰባትን “ብኣስተንፍሶ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ዝቖማ . . . ሓድሽ መንፈሳውነትን ስብከተ ወንጌልን” ዘነቓቕሓ ምዃነን ኣፍልጦ ሂቦም፣ ክልቲኡ ተቕዋማውን መንፈሳውን ህያባትን መሰረታት ምስ ጸጋ ብምትእስሳር ምርዳእ ይግባእ፣ “እቲ ተቕዋም ዝህሉ ጸጋ ኩሉ ግዜ ምእንቲ ክቐርብ እዩ፡ እዚ እትቕበሎ ጸጋ መንፈሳዊ ህያብ ፍረ ክፈሪ እዩ ዝወሃበካ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትምህርቲ ቤተ - ክርስትያንን ንቕዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማውን ብምጥቃስ "ሃይራርቃዊ ህያብን ዜደንቕ ውህበታትን 'ነቲ ኢየሱስ ዝመስረቶ መለኮታዊ ቕዋም ቤተ - ክርስትያን ኣገዳሲ' ምዃኑ" ከም ዘረጋገጹ የመላኽት።

ሓድነትን ተልእኾን

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትኹረቶም ናብቲ “ክልተ ኣገደስቲ መዳያት ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ክልተ ቀዳምነታት ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎታትን” ዝብል ሓሳብ ሓድነትን ተልእኾን ኣቕኒዖም፣ ብሰንኪ እዚ ክልተ ተማላእቲ መዳያት፣ “ኩሎም ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ልዕሊ ዅሉ ኣብዞም ክልተ መዳያት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተኣማንነትን ብልግስን ክተሓባበሩ” ኣተሓሳሲቦም፣

ብፍላይ ድማ “ናይ ሓድነት ማይ ብሑቝ” ክኾኑን፣ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውዳበታት ዘስተማቕርዎ ሓድነት ከስፍሑን ጸውዒት ኣቕሪቦም፣ ቅዱስነቶም ናይ ተልእኾ ተመኩሮኦም ብምዝካር፣ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም መንፈሳዊ ጉዕዞ ዝሕብር ናይ ተልእኾ ወንጌል ቅንኣት ኩሉ ግዜ “ብህይወት ክሕልዉ” ዓዲሞም፣ ክእለቶም ድማ “ኣብ ኣገልግሎት ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን” ከንብሩ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንክርስቶስ ንምምሳል ዝተጸዋዕና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ፣ ነፍሲ ወከፍ መንፈሳዊ ህያብ "ምስ ክርስቶስ ንምርኻብ ዝመርሕ" ከምኡውን "ንቤተ-ክርስትያን ንምህናጽ ኣበርክቶ ዝገብር" ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም። "በዚ መዳይ እዚ ኵላትና ነቲ ምእንቲ ኼሀብትመና ኢሉ ርእሱ ባዶ ዝገበረ ክርስቶስ ክንመስሎ ተጸዊዕና ኣለና . . . ሓዋርያዊ ዕላማ ንምስዓብ፡ ወይ መንፈሳዊ ህያብ ንምስትምቓር ዝተጠርነፉ ይኹኑ፡ ኩሎም “ንኻልኦት ንምህብታም ከም ክርስቶስ ገዛእ ርእሶም ባዶ ክግበሩ ዝተጸውዑ ምዃኖም ኣስተብሂሎም፣ እዚ ድማ ምንጪ ሓርነትን ሓጎስን” እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቓሳት፡ ንኢየሱስ ኩሉ ግዜ ኣብ ማእከል ምሓዝ
07 Jun 2025, 17:28