MAP

2025.06.06 ር.ሊ.ጳ. ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ጽባቐ ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈላለየ  መንፈሳዊ ውህበትን ይገልጹ 2025.06.06 ር.ሊ.ጳ. ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ጽባቐ ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ውህበትን ይገልጹ  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ጽባቐ ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ውህበትን ይገልጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ዕለት 6 ሰነ ንወከልቲ ሰለስተ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት በቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝተዓደሎም ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ህያባት ኣቢሎም ሓዋርያዊ ተልእኾኦምን ጽባቐ ቤተ ክርስቲያንን ዝገልጹ ምዃኖም የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንወከልቲ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኣፍሪቃ፣ ማሕበር ሳልሳይ ስሩዕ ስርዓት ቅዱስ ፍራንቸስኮን ማሕበር ኣገልገልቲ ጰራቅሊጦስን ዕለት 6 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንወከልቲ እተን ሰለስተ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ ድሕነት ኣብ ምድንፋዕ ኣብ ዚገብርዎ ዕዮ ኣስተንትኖን ሓዋርያዊ ጻዕርታትን ኪሓብሩ ብምዕዳም፣ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ንዝተፈላለዩ ድሌታት ምስጢራዊ ኣካል ክርስቶስ መልሲ ምዃነን ኣመልኪቶም፣ ቅድም ናብ ተሳተፍቲ መበል 113 ሓፈሻዊ ጉባኤ ተጋባእያን ሳልሳይ ስሩዕ ስርዓት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣቃልቦ ገይሮም፣ እቲ ናይቲ ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ መርሕ ቃል ምስ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብፍላይ ድማ ምስ ማሕበራዊ ሕይወትን ሕንጸት ጸዋዕታን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ናይ ገዛእ ርእሶም መበቆል ካብ ዘመነ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝጅምር ስለዝኾነ፡ ነተን ሰለስተ ባእታታት ብመንጽር ናይ ማሕበሮም ምስ “ምስጢረ ንስሓ” ዝተኣሳሰረ መንፈሳዊ ህያብ ከስተብህሉ ተላብዮም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ከምቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ባዕሉ ዝበሎ - ብቐጻሊ ናይ ምልዋጥ ጉዕዞ ጥራይ ኣቢልና ኢና ንኣሕዋትናን ኣሓትናን “ጥዑም ሽታ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ ከነቕርበሎም እንኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤኡ ዘካይድ ዘሎ ኣብ 1856 ዓ.ም. ብጳጳስ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ማሪዮን ብረሲላክ ዝተመስረተ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ንእትቕበሎ ተልእኾ እሙን ምዃን ምስ ግዜ ምስ ዝመጽእ ማእለያ ዘይብሉ ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ክትሰግሩ፣ ክትዓብዩን ኣኽኢሉኩም እዩ - ብሓቂ ካብ ጸበባ ምትብባዕን ዕድልን ብምስሓብ ኣብ ኣፍሪቃን ኪኖኡን ሓድሽ ሓዋርያዊ ኣድማስ ክትጅምሩ ኣኽኢሉኩም እዩ - ቢሎም ናይቲ ማሕበር መስራቲ ዘኪሮም፣ ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት፥ “ዕሽነ መስቀል” ሓቝይፎም ካብ ኩሉ እቲ ናይ ዓለም ዝገብር ተግባራት ናጻ ኮይኖም ብክርስቶስ ምልኣት ክህልዎም ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኣባላት ናይቲ ኣብ 1947 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንካህናትን ንውልቃዊ ጸገም ዘለዎም ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣሕዋትን ኣሓትን ንምግልጋል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተመስረተ ማሕበር ኣገልገልቲ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “እቲ ማሕበር ካብ ዝተመስረተሉ እዋን ጀሚሩ ምስቶም ብዕምቆት ዝቖሰሉ ውልቀሰባት ብትሑት፣ ትዕግስቲ፣ ረቂቕን ብጥንቃቐን ቀረባ ብምዃን ውፉይ ኣገልግሎት ዘቕርብ እዩ፡ እዚ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ብዕምቆት ዝተጸልዉ ውልቀሰባት ብዕምቆት መንፈሳዊ ውልቃውን ሓባራውን ሕይወት ምስ ድሌታቶም ዝተመጣጠነ ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ሞያዊ ሓገዝ ዘወሃህድ መንገድታት ፈውሲ ተቕርቡ። ኣገልገልቲ ጰራቅሊጦስ ከም ካልኦት ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣገልገልቲ ክርስቶስ ኰይኖም ከገልግሉ ኸለዉ፡ ፈውሲ ንዘድልዮም ህሙማን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣስንትዮን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ዘገልግሉ ምዃኖም ከም ዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብግብረ ገባውን ድኻምነትን እትጥሕል ጃልባ እንክብል ዘቕርቦ ኣብነት ብምዝካር። ካብ ምጥሓል ንኽንድሕን ድማ ባዕሉ እዚ ጳጳስ ቅዱስ ዘሂፖ ከም ዝብሎ “ገዛእ ርእስና ካብቲ ከጥሕለና ዝኽል ከበድ ኩሉ ናጻ ብምግባር ይቕረ በሃልቲ ንኹን!” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ብዙሕነት መንፈሳዊ ህያባት ናይ ቤተ ክርስቲያን ጽባቔ ዘርእይ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣዚ ጽባቔ እዚ ኣብ “ንለውጢ ተወፋይነት፣ ኒሕ ተልእኾን ምዉቕ ሕብረትን” ዝምስከር ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

07 Jun 2025, 17:18