ር. ሊ. ጳ. ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ክርስትያን 'መላእ ቤተ-ክርስትያን ምሳኻትኩም ኢያ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ብዕለት 22 ሰነ ኣብ ደማስቆ ሶርያ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ማር ኤልያስ እተፈጸመ "መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ" ዘኪሮ። ነቶም ግዳያት ናብ ምሕረት ኣምላኽ ብምውፋይ፣ ምእንቲ እቶም ዝቘሰሉን ምእንቲ ስድራቤቶምን ድማ ጸሎት ኣዕሪጎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኵሎም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ክርስትያን ብምምላስ ምሳታቶም ውን ዘለዎ ሓድነት ገለጹ። "ኣነ ምሳኻትኩም እየ መላእ ቤተ-ክርስትያን ውን ምሳኻትኩም እያ ዘላ።" እዚ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተፈጸመ መጥቃዕቲ ሶርያ ንሓያሎ ዓመታት ዘይምርግጋእን ዓመጻን ድሕሪ ምፍጻሙ እትሓልፍዎ ዘሎኹም "ዓሚቝን ተነቃፊነት" እዋን ዘጕልሕ ምዃኑ ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ "ቆላሕታኡ ካብዛ ሃገር እዚኣ ከየርሕቕ" ቅን ጻውዒት ኣቕረቡ። ኣብ ክንድኡስ "ብናይ ብተግባራት ግብረ ሰናይ ከምኡውን ንሰላምን ዕርቅን ብዝግበር ሓድሽ ቈራጽነት" ደገፍ ክግበረሎም ከም ዘለዎ ተማሕጸኑ።
መንገዲ ዲፕሎማሲ ምረጹ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ኢራንን እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝነበረ ዅነታት ተጠንቂቑ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ እውን ኣመልከቱ።
ኣብቲ ኸባቢ ንዚፍጸም ዓመጻ ከቋርጽ ጻውዒት ኣቕረቡ ነቲ ነብዪ ኢሳይያስ "ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም" ብምባል እተዛረቦ ቓላት ብምምልካት ድማ ሰላም ከም ዘድሊ እንደገና ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቃላት ናይቲ ነብዪ ኺስማዕን "እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘጋጠመ ደማዊ ፍጻመታት ዘስዓቦ በሰላ ኺሓዊ" ኸም ዚደልን ገለጹ።
ሓሳባቶም ቅድሚ ምዝዛሞም ነቲ ዓብላልነትን ሕነ ምፍዳይን ከም ኣማራጺ ገይርካ ከይርአ ተማሕጸኑ። ኣብ ክንድኡስ ኵሉ ሰብ "መገዲ ዘተን ዲፕሎማሲን ከምኡውን ሰላም ብቘራጽነት ክመርጽ" ኣተባብዑ።