ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ቤኑዌ ንግዳያት 'ዘስካሕክሕ ህልቂት' ይጽልዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 15 ሰነ ፍርቅ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ቤኑዌ ብዝተፈጸመ “ዘስካሕክሕ ህልቂት” ግዳያት ዝኾኑ ጸሎት ኣዕሪጎም፣ ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ጎማ ኣብ እትርከብ ከተማ የልዋታ፣ ካብ ዕለት 13 ናብ ዕለት 14 ሰነ ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃስ
ዕቲ፣ መብዛሕትኦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ “ብናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝተዓቝቡ” ኣስታት 200 ሰባት “ብጭካነ ከም ዝተቐትሉ” – ዘኪሮም ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ ናይጀርያ “ጸጥታን ፍትሕን ሰላምን” ክህሉ ጸሎት ኣቕሪቦም፣ ብፍላይ ብዛዕባ እቶም “ግዳያት ዓመጽ ዝኾኑ ኣብ ግዝኣት ቤኑዌ ዝርከቡ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት” ኣብ ጸሎቶም ህልዋን ምዃኖም ከም ዝረጋገጹ ኣፍሊጡ።
ጨንፈር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል - ውድብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ናይጀርያ፣ ሰበስልጣን ናይጀርያ “ኣብ ግዝኣት ቤኑዌ ዳርጋ መዓልታዊ ዝፍሰስ ደም ብቕልጡፍ ከብቅዕን ነቶም ተሓተትቲ ዝኾኑ ገበነይናታት ናብ ሕጊ ከቕርቡን” ከም ዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሱዳን
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳቦም ናብታ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ኲናት ሓድሕድ እትርከብ ሱዳን ኣቕኒዖም፣ ብዛዕባ ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከቡ ካህን ሰበኻ ኤል ፋሸር ኣባ ሉክ ጁሙ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ ከም ዝተቐሉ ከም እተሓበሮም ኣዘኻኺሮም፣ “ምንታኦምን ምእንቲ ኩሎም ግዳያት ጸሎተይ ከቕርብ ከለኹ፡ ተዋጋእቲ ሓይልታት፡ ንሰላማውያን ሰባት ክከላኸሉ፡ ንሰላም ኣብ ናይ ዘተ መገዲ ክርከቡ ዘቕረብክዎ ͻውዒት አሐድስ” ምስ በሉ፣ ቀጺሎም ማሕበረሰብ ዓለም በቲ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው “ብኸቢድ ዝተሃስየ” ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝገብሮ ጻዕሪ “ከሐይል” ተለብዮም፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ – ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ዝተፈጥረ ናብ ከቢድ ሓደጋ ከምርሕ ዝኽእል ግጭት ብዘተ ክፍታሕን ከምኡ’ውን ኣብ ዩክሬንን ሚያንማርን ዘሎ ግጭት ከብቅዕ እጽሊ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ እኳ እንተተገብረ ኣብ ሚያንማር ዘሎ ግጭት ከምዝቐጸለ ኣመልኪቶም፣ ተጻባእቲ ሓይልታት - እቲ እንኮ “ናብ ሰላማውን ርጉእን ፍታሕ ክመርሕ ዝኽእል ሓቛፊ ዘተ ክስዕቡ ኣላበው” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍሎሪበርት ብዋና ቹይ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰላም ድሕሪ ዘቕረብዎ ͻውዒት ሓሳቦም ናብ ፍሎሪበርት ቡና ቹይ ተወላዲ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ መንእሰይ ሓላዊ ዶብ፣ ናብታ ሃገር ንሕይወት ዜጋታት ናብ ሓደጋ ዘእትው ዝተበላሸወ መግቢ ሩዝ ከይኣቱ ስለ ዝኸልከለ ከም ክርስትያን መጠን፡ ንበደል ይቃወምን ንንኣሽቱን ድኻታትን ይከላኸል ስለ ዝነበረ ኣብ 2007 ዓ.ም. ዝተቐትለ ኣቕኒዖም፣ ስግር መናድቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ከም ዝኣወጀትሉ ዘኪሮም፣ “ንመንእሰያት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን መላእ ኣፍሪቃን ትብዓትን ተስፋን ከማልድ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስፖርት ከም 'መንገዲ ሰላም'
ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እቲ ንመዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት መዕጸዊ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ቅድሚ ንሰላም ዘቕረብዎ ͻውዒት፡ ነቶም ንመዓልቲ ኢዮቤል ስፖርት ናብ ሮማ ዝመጹ ነጋድያን፡ “ኣብ ኩሉ ዘመንን ካብ ኩሉ ድሕረ ባይታ ዝመጹን ስፖርተይናታት ሰላምታ አቕሪቦም፣ ስፖርት “ቤት ትምህርቲ ምክብባርን ፍትሓውነትን መንገዲ ሰላም፣ . . . ርክብን ሕውነትን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።