MAP

BRITAIN-POLITICS-PARLIAMENT-EUTHANASIA BRITAIN-POLITICS-PARLIAMENT-EUTHANASIA  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ መዓልቲ ህይወት፦ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ክብሪ ኸም ዝሃቦም መስክሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ስኮትላንድን ኣይርላንድን እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ንመዓልቲ ህይወት ኣመልኪቶም ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ናብ ካቶሊካውያን ኣመሓላሊፎም፣ ኣብ መልእኽቶም ድማ ብዘይ ገለ ገደብ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ክብሪ ምምስካር ክቕጽሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኵሎም እቶም ኣብቲ ብጉባኤ ካቶሊካዉአን ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ስኮትላንድን ኣይርላንድን እተወደበ " 2025 እተሳተፉ ሰባት ዘለዎም "መንፈሳዊ ቅርበት" ኣረጋገጹሎም።

እዚ ዓመታዊ ዕልተ ዝኽሪ "ብዛዕባ ትርጕምን ዋጋን ህይወት ወድሰብ ኣብ ኵሉ ደረጃታትን ኵነታትን ዝያዳ ፍልጠት ከም ዝህልወካ ንምግባር" እተወፈየ ዕለት ኢዩ። ፍረ ነገር ናይዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት እልልታ ድማ "ተስፋ ኣየሕፍን ኢዩ - ኣብ ስቓይ ትርጕም ምርካብ" ብዝብል ኣርእስቲ፣ ብመልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 5፡5-6 ኣብ ተጻሒፉ ዘሎ መልእኽቲ እተመርኮሰ ኢዩ ዝንበረ። ኣብኡ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ "ክርስትያናዊ ተስፋ ግርህነት ዝመልኦ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብቲ ወትሩ ምሳና ዘሎ ሓይልን ህላወን ኣምላኽ ዘይነቓነቕ ተስፋ ምግባር ከም ምዃኑ ንኽንግንዘብ ጻውዒት የቕርበልና።" እዛ ተስፋ እዚኣ "ንጸልማት ናይ መከራ ደቅሰብ ክትጻወሮን፣ ክንዮኡ ኽትርእን ትኽእል እያ" ይብል።

ኣብዛ ዓመት ናይዛ ዓመት እዚኣ መዓልቲ ህይወት ኣብ ዘመሓላለፍዎ    እቶም ጳጳሳት ናይቲ ከባቢ ናብ ምእመናን ከምዚ ክብሉ ይጽሕፉ "ምእንቲ እቶም መከራ ዝወርዶም ዘሎ ሕዝብታት ክጽልዩን፣ ከም ሕያዋይ ሳምራዊ ምሳታቶም ቅርበት ክህልዎምን፣ ነቲ ፍሉይን ዘይድገምን ዋጋኦም ክምስክሩ ንዝቐረበሎም ዕድመ መልሲ ክህቡሉን" ይጽውኡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብናቶም ናይ ሊቨርፑል ሊቀ - ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆን ሸሪንግተን - ናይ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ኣቡናት ተጸዋዒ ጳጳስ ብዛዕባ ህይወት ኣብ ዝምልከት ጕዳታት ኣብ ዝለኣኹሎም ናይ ቴለግራም መልእኽቲ፣ ፍረ ነገር ዓመተ ኢዮቤል 2025 "እቲ ኣብ ኵነታት ደቅሰብ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስቓይ ብጸጋ ናብ ተመክሮ ህላወ ጐይታ ክቕየር ከም ዝኽእል ንሰባት ኣቓልቦኦም ክስሕብ ኢዩ ዝደሊ ዘሎ" ክብሉ ኣመልከቱሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ብዘይካዚ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምኡውን ነቶም ከቢድ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት ከም ክርስቶስ ዝኣመሰለ ለውሃት ዝመልኦ ምስክርነት ብምሃብ ኵሎም ኣባላት ሕብረተሰብ ነቲ ኣብ ሓቀኛ ፍቕርን ናይ ሓቂ ድንጋጽን እተመስረተ ስልጣነ ኣስተምህሮት ኣብ ክንዲ ዘዳኽምዎ ንኽከላኸሉሉ ትብዓት ክረኽቡ" ጸለዩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንጻዕርታት እቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እተሳተፉ "ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እኖ ጽቡቕ ምኽሪ ብምምሕጻን" ሕድሪ ኣወፈይዎም፣ ከምኡውን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምክፋል "ከም ቡራኬ ጽንዓትን ሓጐስን ሰላምን ናይቲ ዝተንስአ ጐይታ" ብምክፋል መልእኽቶም ዛዘሙ።

16 Jun 2025, 15:50