ር. ሊ. ጳ.፦ ንእንጌራና ኸነካፍልን መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅን ተጸዊዕና ኣለና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሰንበት ኣቐድም ኣቢሎም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸልት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን ኣስተምሃሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ምርኩስ ብምባር ብዛዕባ እቶም ኣብ ዙርያ ኢየሱስ እተኣከቡ ሰባት እሞ ንሕሙማቶም ከም ዝፈወሰሎምን፣ ጐይታ ንስቓዮም ከም ዝደንገጸሎምን ብምግላጽ፣ ንሱ "ኬድሕነና ኢሉ ናብ ዓለምና ዝመጸ ፍቕራዊ ሕብረት ኣምላኽ" ከም ዜንጸባርቕን ሰሚዕና ኣሎና ክብሉ ዘከሩ። ወሲኾም ድማ ቅዱስ ኣቦና " ኣብቲ ኣምላኽ ዚነግሰሉ ዘበለ ኵሉ፣ ካብ ኵሉ እከይ ሓራ ኢና" በሉ። ብጥሜት ብሕማም ወይ ብምድራዊ ፍጻሜ ህይወትና፣ ኣብ ግዜ ጸገምና "ኢየሱስ ኣብ መንጐና ይነብር" ከም ዘሎ ኽንርስዕ የብልናን።
ጐይታ ዝሃለወሉ ቦታ ኩሉ፣ ንህይወትና ብርታዐን ትርጕምን ንምሃብ ዜድልየና ዘበለ ንረክብ ኢና" በሉ።
ምልክት ምክፋል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ጐይታናን መድሓኒናንን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ እንጌራን ነቲ ዓሳን ብኸመይ ከም ዘብዝሖ ዘከሩ፣ እዚ ኸኣ ኵሉ ሰብ ንጥሜቱ ድሕሪ ምዕንጋል ዓሰርተው ክልተ ዘንቢል ዝመልኣ ተረፍ ከም ዘትሩፉ ኣኽኣሎም።
"ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጥሜት እቶም ህዝቢ በዚ ኸምዚ እዩ ዜጽግቦም። ንሱ ከምቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ይገብር፣ ንሕና ውን ከምኡ ኽንገብር ይምህረና።"
ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ንዅሎም እቶም "ብጥሜት ዘኮነስ ብስስአ ካልኦት" ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብታት ምዝካር ኣገዳሲ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ሒደት ሰባት ዝኣከብዎ ሃብቲ፣ ኣብ ድኽነት ናይ ምክፋል መንፈስ ኣጸቢቑ እተፈልየ ምዃኑ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ "ስቓይን ምጕዳል ፍትሕን ዘምጽእ ዕቡይ ዘይምግዳስ" ክበሃል ዝከኣል ምልክት ኢዩ።
"ብፍላይ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል እዚ ኣብነት ጐይታ ንተግባራትናን ኣገልግሎትናን ዝመርሕ መለክዒ ኢዩ - እንጌራና ከነካፍል ተስፋና ኸነብዝሕ ከምኡውን መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትመጽእ ክንእውጅ ተጸዊዕና ኣሎና" በሉ።
ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዅሉ ሰብ ካብ ሞት ዘድሕን እንጌራ ህይወት ምዃኑ ኣስተንተኑ፣ እዚ ድማ እቲ ኣብዛ ዕለት እዚኣ እነኽብሮ ዘሎና ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ምስጢር እምነትና ኢዩ። "ከምቲ ጥሜት ምልክት እቲ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ዝዀነ፣ ምቝራስ እንጌራ (ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን) እውን ምልክት ውህበትን ድሕነትን ኣምላኽ እዩ።"
"ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ክርስቶስ ስጋኡ እንጌራ ዘለኣለማዊ ህይወት ስለ ዝዀነ ኣምላኽ ንሰብኣዊ ጥሜትና ዝህበና መልሲ እዩ። ኵላትኩም ነዚ ውሰዱ እሞ ብልዑ! . . . ካብቲ ህያውን ኡነተይና እንጌራ ዝዀነ ኢየሱስ ክንበልዕ ከለና፣ ኣብ ክንዳኡ ኢና እንነብር ። እቲ እተሰቅለን ዝተንስኤን ጐይታ ገዛእ ርእሱ ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ይህብ፣ ከማኡ ድማ ምስ ኣምላኽ ተካፈልቲ ከም ዝኾና ከኣ ንፈልጥ" በሉ።
ምስ ክርስቶስ ምሕባር
"ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ኣብ መኣዱ ክንሳተፍ ብምጽዋዕ፣ ንዅልና ኣብቲ ናይ ምድሓን ዕዮኡ የሳትፈና ስለ ዘሎ፣ በቲ ኣምላኽ ዚህበና ምግቢ ንየሱስ ናብ ልቢ ዅሉ ሰብ ነቕርቦ። እቶም እተጸውዑ መሰኻኽር እዛ ፍቕሪ እዚኣ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም!"