MAP

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ንመንእሰያት ፦ ኣብዛ እተኸፋፈለት ዓለም ወኪላት ሰላም ኩን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ትውልዲ ዓዶም ኣብ - ቺካጎ ተጋቢኦም ዝነበሩ መንእሰያት ኣዘራረብዎም፣ ማሕበረሰብ ክሃንጹ ፍቕሪ ኣምላኽ ክቕበሉ ከምኡውን ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም "ናይ ተስፋ መብራህቲ" ክዀኑ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ንምጽንባል ዝሓለፈ ቀዳም ዕልት 14 ሰነ ኣብታ ትውልዲ ዓዲ ቅዱስነቶም ዝኾነት ከተማ ቺካጎ ኣብ እትርከብ ማእከል ዋይት ሶክስ ዓቢይ ግጥም ናይ በይዝ ቦል ተኣኪቶም።

እዞም ኣቐዲሞም ሊቀ-ጳጳሳት ቺክሊዮ ፔሩ ዝነበረ ሓድሽ እተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ ቪድዮ መልእኽቶም፣ ነቶም ኣብ ትውልዲ ዓዶምን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ መንእሰያት ዘለዎም ምስጋናን ምትብባዕን ገለጹሎም። 

ኣብቲ ኣብ በዓለ ቅድስተ ሥላሴ እተገብረ ጽንብል ብፁእ ካርዲናል ብሌዝ ኩፒች ተራዳኢ ጳጳስ ርእሰ ሰበኻታት ቺካጎን፣ ቤተክህነትን፣ ንስድራ ቤታትን ከምኡውን ንመንእሰያት ካብ መላእ እቲ ሰበኻ ዝመጹ ኣባኡ ተሪኺቦም ነይሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብመልእኽቶም ንኣገዳስነት ቅድስቲ ሥላሴ ከም ኣርኣያ መለኮታዊ ፍቕርን ሓድነትን ገይሮም ብምስትንታን መልእኽቶም ጀመሩ ። "ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዘለዉ ሰለስተ ኣካላት ብዕምቈት ፍቕርን ሕብረትን ሓደ ኢዮም፣ ነዚ ርክብ እዚ ድማ ምስ ኵላትና የካፍሉና ኢዮም " በሉ።

ሓይሊ እምነትን ማሕበረሰብን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሎሚ ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ብፍላይ ከኣ ድሕሪ እቲ ኣብ ግዜ ኮቪድ-19 ዘጋጠመ ለብዒ ኣፍልጦ ሃቡሉ።

"ትግንዘቡ ትዀኑ (...) ኣብ ዙርያ ህይወትኩም ዘሎ ኩነታት ንእምነትኩም ንኽትነብርዎ ኣጋጣሚ ኣይከፈተልኩም የሎን። ንኻልኦት ንምግልጋል ኣብ ህይወትና ገለ ነገር ክንገብረሉ እንኽእል መገድታት ንምርካብን ምንዳይን ንምድህሳስን ናይ ሓቂ ጻዕሪ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ።"

እምነትን ማሕበረሰብን ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ከም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ፣ ንመንእሰያት ከኣ ዕርክነትን ደገፍን ኣብ ዙርያ ህይወቶን ክካፈሉ ኣተባብዕዎም ።

"ከም ኣዕሩኽ ኴንኩም ተኣኻኺብኩም (...) ጸጋ ጐይታናን ፍቕሪ ኣምላኽን ብሓቂ ኸተሕውየና ኸም እትኽእል ክንግንዘብ ንኽእል ኢና፣ ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ ኸኣ ኣብዛ ምክፍፋልን ተስፋ ምቝራጽን ጾር ዝዀና ዓለምና "ናይ ተስፋ መብራህቲ" ክዀኑ ውን ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ኣምላኽ ብህይወትና ይዓዪ ኢዩ

ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኦስ ብዛዕባ "ዝናወጽ ልቢ" ዝገበሮ ኣስተንትኖ ብምጥቃስ ከኣ ንመንእሰያት ትርጕም ህይወት ንምርካብ ዘለዎም ሃረርታ ክዓብጥዎ ዘለዎም ነገር ዘይኰነስ፣ ምልክት መንፈሳዊ ሓይሎም ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም።

"ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ኺዓዪ ኸም ዚኽእል ኣፍልጦ ንምሃብ ደኣ እምበር ነቲ ሓዊ እነጥፍኣሉ መገድታት ከነናዲ የብልናን" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ መንእሰያት ወኪላት ሰላምን ሓድነትን ክዀኑ ኢዮም ዝተጸውዑ ። "ዓለም ሓቀይና ተስፋ ዘለዎ መልእኽቲ ኽትእውጁን ሰላም ከተስፍኑን ትጽበየኩም እያ ዘላ" ውን በሉ።

ንቅዱስ ጳውሎስን ንቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብምጥቃስ መንእሰያት ንመጻኢ ኣብ ምቕራጽ ዘለዎም ፍሉይ ግደ ክቕበልዎ ብምትብባዕ ንመልእኽቶም ኣብ ትውፊት ቤተ-ክርስትያን ብምምስራት ኣመሓላለፉሎም።

ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ መንእሰያት "ኣብ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕርን ሰላምን ጐይታ ይምላእ (...) እዚ ድማ ወትሩ ምልክት ተስፋን ሰላምን ኣብ ብዘላ ዓለም ከም እትኾኑ ይግበርኩም" ክብሉ ብምምራቅ መልእኽቶም ዛዘሙ።

16 Jun 2025, 15:45