MAP

2025.06.05 Membri della Pontificia Commissione per la Tutela dei Minori 2025.06.05 Membri della Pontificia Commissione per la Tutela dei Minori  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳቲ ኮሚሽን ዕቝባ ቈልኡን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተራኸቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ዕቝባ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትላኢ ሓሙስ ዕለት 6 ሰነ ንግሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኣባላት ጳጳሳዊ ኮሚሽን ዕቝባ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዳግመ ህንጸት ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብዛዕባ ዓመጽ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኣብ ምክልኻል ንዝግደስ ኣብ መጀመርታ ዘመነ ጵጵስናኦም መስረትዎ።

እዚ ኮሚሽን ነቲ ብካህናት ኣብ ልዕሊ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጻ ንምቅላስ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ክገር ሓላፍነት ከም ዘለዎ ድማ ኣዘኻኺሮም ነበሩ፣ ንኣባላቱ እዚ ኮሚሽን ድማ ብቐጥታ ጸብጻቦም ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከቕርቡ ተሓታትነት ከም ዘለዎም ነገርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እውን ብተመሳሳሊ ንመንእሰያትን ንመሳኪንን ብዅሉ መዳያት ንምዕቋብ ዝለዓለ ጻዕሪ ምእንቲ ኽግበር ነዚ ኮሚሽን ምስ ቅዱስነቶም ቀጥታዊ ርክብ ክቕጽሉ ተማሕጸንዎም።

ቤተ-ክርስትያን ንጕዳያት ዓመጻ ንምፍታሕ ኣገዳሲ ስጕምትታት ወሲዳ እያ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ኮሚሽን ምቛም ነቲ ጳጳሳት ዝፍጽምዎ ሃስያን ዘይስነ-ምግባራዊ ኣካይዳን ጸብጻብ ኣብ ምሃብ ዚሕግዝ መስርሕን  ሕገ ቐኖናዊ ክትትል ንምክያድ ዘኽእል ካልእ መሳርሒታትን መምርሒታትን ዘውጽእ፣ ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ንዚርከቡ ሰበኻታት ግዴታዊ ጸብጻብ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዘለዎን ከምኡውን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሃገራዊ መምርሒታትን ሕግታትን ንምሕላውን እዩ። ይኹን እምበር እዚ ኮሚሽን ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ዝያዳ ኣቓልቦ ኽገብር ከም ዘድሊ ውን ኣመልከቱ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኪ ነዚ ኮሚሽን ዓመታዊ ጸብጻብ ከቕርብ "ቤተ-ክርስትያን እንታይ ትገብር ከም ዘላ ከምኡውን እንታይ ክመሓየሽ ከም ዘለዎ ዘተኣማምን ምኽሪ ዝልግስ ኰይኑ ከገልግል፣ ነቶም ብቑዓት ሰብ መዚ ስጕምቲ ንኽወስዱ ክሕግዞም" ተላበውዎም።

እቲ ን2023 ዓ.ም. ዘጠቓልል ጸብጻብ ብዕለት 29 ጥቅምቲ 2024 ነዚ ኮሚሽን እዚ ተዳልዩ ንንባብ ቀሪቡ ኢዩ። ኣብ ኣርባዕተ ኽፋላት ተኸፋፊሉ ድማ ንዅነታት እተፈላለያ ኣብያተ-ክርስትያንን ኣህጉራትን ድማ ይምርምር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽህፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ምዕቋብ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ዘለዎም ኣሳልጦ ቤተ-ክርስትያን ንማሕበረሰብ ብኸመይ ከም እተዕቍቦን ከምኡውን እዚ ኮሚሽን ተሓታትነትን ግሉጽነትን ንምውሓስ ብኸመይ መሳርሒታት ከም ዝቕርብ ውን ይምርምር።

06 Jun 2025, 16:18