MAP

2025.06.05 Superiori e Officiali della Segreteria di Stato 2025.06.05 Superiori e Officiali della Segreteria di Stato  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንኣባልት ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር 'ማእከል ምትሕብባር' መላእ ዓለምን ቤተ ክርስትያን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ሰብ መዚ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ረኺቦም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ህርፋን ወይ ውድድርን ንስልጣን ነቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝገብርዎ ኣገልግሎት ብፍጹም ከይዓናቕፎም ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሰብ መንዚ ቤትጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ትማሊ ሓሙስ ዕለት 6 ሰነ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተራኺቦም፣ ቅዱስነቶም ከኣ ኣብቲ ከም ተካኢ ቅድሱ ጴጥሮስ ዘለዎም ተልእኾ ስለ ዝሕግዝዎም ኣመስገንዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ነቲ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሎን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር "ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝገብገበርክዎም ናይ መጀመርታ ስጕምትታተይ ብቐጻሊ ይተሓባቢሮምኒ ኢዮም” ክብሉ መስከሩ።

"ኣብዚ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎተይ እዚ ኻብ ዝጽመድ ሓደ ወርሒ እኳ ዝኣክል እኳ እንተ ዘይገብርኩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በይኑ ንቕድሚት ክግስግስ ከም ዘይክእል ከምኡውን ምትሕብባር ብዙሓት ኣብ ቅድስቲ መንበር እተገልግሉ ዘሎኹም ብፍላይ ከኣ ናይ ኵላትኩም ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተገልግሉ ሰብ መዚ ክምርኰስ ኣድላዪ ምዃኑ ንጹር ኢዩ" በሉ። "ካብ መዓምቍ ልበይ ውን  አመስግነኩም" ክብሉ ምስጋናኦም ገለጹሎም።

ታሪኽ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መነብር ካብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ዝቕጽል ዘሎን፣ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያንን ምስ ካልኦት ሃገራትን ከኣ "ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣድማሳዊ ባህርይ" ክሕዝ ክኢሉ ኣሎ ክብሉ ውን መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ዘዳለዎ ሓሳባት ኣብ ዘካፈልዎም ልዕሊ ፍርቂ ኻብቶም ሰብ መዚ ቅድስቲ መንበር ምእመናን ምዃኖም፣ ልዕሊ 50 ድማ ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን እዚ ድማ ገጽ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘንጸባርቕ ገለጹ።

"ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚዓዪ ዓብዪ ማሕበረሰብ እዩ" ክብሉ ውን ገለጽዎ። ብሓባር ኴንና ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎ ሕቶታትን ጸገማትን ብድሆታትን ተስፋታትን ንካፈሎ ኢና" ውን በሉ።

ድሕርዚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ምስጢረ ስጋዌን ካቶሊካውነትን" ከም ክልተ ኣድላዪ ስፍሓት ናይቲ ቤትጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ተልእኾ ከም ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

ከምዚ ድማ በሉ - "ከምቲ ኣምላኽ መገዲ ደቅሰብን ቋንቋ ደቂ ሰናባትን ዝመረጸ፣ ሓጐስ ወንጌል ንዅሉ ሰብ ምእንቲ ኽበጽሖን ኣብ ባህልታትን ቋንቋታትን ናይዚ ግዜና ምእንቲ ኽመሓላለፍን ቤተ - ክርስትያን እውን ነዚ መገዲ እዚ ኽትስዕብ ተጸዊዓ ኣላ" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ቤተ ክርስትያን ንእተፈላለየ ባህልታትን ስምዒታትን ከተኽብር ዜኽእላ ካቶሊክን ኣድማሳዊን ኣረኣእያ ኺህልዋ ከኽእላ ኣለዎ።

እዚ ኣድማሳዊ ኣተሓሳስባ እዚ ንኩርያ ሮማና ኣብ መንጎ ሮማን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣከባቢታት ዝርከባ ኣብያተ - ክርስትያንን ኣብ ማእሰር ዕርክነት ተመርኲሳ ሓሳብ ንሓሳብ ንኽትለዋወጥ ኣኽኢልዋ ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ብምጥቃስ  ንዝነበሮም ሃንቀውታ ዘለዎ ተሓድሶ እዚ ተቕዋም ቤተክርስቲያን ከኣ ከምዚ ብምባላ ኣዘኻከሩ "ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ታሪኽ ዘጋጥማ ብድሆታት ብህጹጽ ከተቕልበሉ ዘለዋ" ዀይኑ ይስምዖም ነበረ።

"ስለዚ እቲ ስጋ ዝለበሰ ኣካል ናብ ጭቡጥ ክውንነትን ናይሪ ናብ እተፈላለየ ኣካላት ኩርያ ሮማ ዝንቀሳቐስሎም ጕዳያትን ኢዩ ጾር ዝኸውን" በሉ። "ንዅሉ ፍጥረት ዝምልከት ምስጢር ናይቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ እተፈላለየ መዳያት ዘለዎ ሕብረት ንምትእትታው ግን ንተግባር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሕግዝ ዝኽእል ናይ ምትሕብባር ዕዮ ኣድላዪ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ነዚ ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ተቕዋማትን ዘሎ "ማእከል ምትሕብባር" ክገብርዎ ከም ዝጸዓሩ ብምግላጽ፣ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ መዳያት ዘሎ ምትእስሳር ኰይኑ ከገልግል ከም ዘለዎ ገለጹ።

ኣብዚ ቐረባ እዋናት ከኣ እቲ ብ2022 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘውጽእዎ “ስብኩ ወንጌል” ዘርእስቱ ሓውርያዊ ቅዋም፣ ነዚ ናይ ምትሕብባር ግደ እንደገና የረጋግጽ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድማ እዚ ኣድላዪ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ "ምሉእ ብምሉእ ዘይንርድኦ" ምዃኑ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ እንካብ ቃለ ምዕዳን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ 6ይ ኣብ 1963 ዝበልዎም ብምጥቃስ፣ ነቲ ናይ ኣባልት ቅድስቲ መንበር ዘለዎም ተልእኾን ወንጌላዊ መንፈስን፣ ከምኡውን ዘለዎም ቅርበትን ዓሚቝ ሞሳን ብምግላጽ መደረኦም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምጥቃስ ድማ ከምዚ በሉ - "እዛ ቦታ እዚኣ ንጥቕሚ ቤተ-ክርስትያን ክብሉ ብልግሲ ተወፋይነትን ሓቀይና ማሕበር እምነትን ፍቕርን ይኹን ማለት 'ኣሕዋትን ደቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን' ይዅኑ" ክብሉ ተላበው።

06 Jun 2025, 16:14