ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ኣብ መንጎ ቃንዛ ግጭት ምስክርነት ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ትካላት ረድኤት ንምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ሕብረት (ROACO) ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ሮማ ኣብ ዘካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ዕለት 26 ሰነ ኣብ ቫቲካን ንተጋእያን ተቓቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ማሕበር ንናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያን ምእመናን ንዋታውን መንፈሳውን ደገፍ ንምሃብ ዝገብሮ ጻዕሪ ብምንኣድ፡ ተልእኾ ናይቲ ትካል “ኣዋጅ ሓሴት” እንክብሉ ገሊጾም፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኲናትን “ደበና ጽልእን” ከም ዝዓነዋን “ኣብተን ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስትያን ዘለወን ሃገራት” ዘርኢ ተስፋ ኣብ ምዝራእ ዘካይዶ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፣ "ንብዙሓት ሰባት፡ ንዋታዊ ድኻታት ብእምነት ግን ሃብታማት፡ ኣብ ማእከል ጸልማት ጽላሎት ጽልእን ብርሃን ተስፋ ኢኻትኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ውሽጢ እቲ ሓድሓደ ግዜ ዋጋ ምብራቓዊ ክርስትያናዊ ትውፊታት ከስተማቕር ዘይከኣለ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ከይተረፈ ኣብ ታሪኽ ጭቆናን ዘይምርድዳእን ከም ዝተለዓዓለ ኣስተብሂሎም፣ ምብራቓዊ ስርዓታት ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ክፍለጥ ኣለዎ ዝብል ድሌት ብምግላጽ፡ ኣብ ቤተ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብን ብዛዕባ ምስራቓዊ ስርዓት ዝምልከት መጽናዕትን መደብ ህንጸትን ምቕራብ፣ ናይ ላቲን ስርዓት ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ብዛዕባ ምብራቓውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምሕባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመላኺቶም፣ “ሎሚ ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ዘይንፈልጦ ስርዓታት ዘብዕሉ ርሑቓት ዘይኮኑስ፡ ብሰንኪ ግዱድ ስደት ጎረባብትናን ቀረባናን ኮይኖም ኣለዉ፣ ስለዚ ርክብን ምስታፍ ናይ ጉስነት ንጥፈታት እውን የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምብራቓውያን ክርስትያን “ስምዒት ቅድስና፣ ብስቓይ ዝሓለፈ ዓሚቝ እምነቶምን ብመለኮታዊ ምስጢር ዝማኣዘ መንፈሳውነቶምን” ኣጉሊሖም። ነቲ ንምብራቓዊ ክርስቲያን ዘዕነዎ ዓመጽ ብምዝካር፣ ገለ ኣባላት ትካላት ረድኤት ብምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ብሰንኪ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረን ዘሎን ግጭት ንዓመታዊ ኣኼባ ናብ ሮማ ክመጹ ዘይከኣሉ ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሮም፣ "ብዛዕባ ዩክሬን፡ ኣብ ቓዛ ዘሎ ዘሕዝን ኢሰብኣውን ኩነታት፡ ከምኡ'ውን ብሰንኪ ምስፋሕ ኲናት ዝዓንው ዘሎ ማእከላይ ምብራቕ ክንሓስብ እንኮለና ልብና ይደሚ . . . ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ፡ ንመግለጺታት ምትላል ወይ ሓሶት ብምንጻግ ንጠንቂ ናይዚ ግርጭታት መርሚሩ ክፈትሖ ክጽዕር ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "እቲ 'ሕጊ ሓያላን' ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ኣብዚ ግዜና ኣብ ብዙሕ ኵነታት ክዕወት ምርኣይ ብሓቂ ዘጨንቕን ዘሕዝንን ኢዩ። እዚ ዅሉ ድማ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምድላይ ተግባር ሕጋዊ ንምግባር ዝኣመተ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ነቲ ብሰንኪ ኲናትን ግብረሽበራን ዝመጽእ ሞትን መከራን ዝፈጥረሎም ሓዘን ድማ ገሊጾም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኤልያስ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ለኪምካ ምጥፋእ ዘኪሮም፣ ሰብኣውነት ብተግባራት ኲናት ንመጻኢ ጽኑዕ መሰረት ከንብር ተስፋ ምግባር ከምዘይክእል ኣተሓሳሲቦም፣ ብናይ ሓባር ረብሓ ዝተደፋፍአ ምትሕብባርን ዓለማዊ ራእይን ጥራይ እዩ ኣህዛብ ናብ ነባሪ ሰላም ኣብ ዝወስድ መንገዲ ክብገሱ ዝኽእሉ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
"ሰባት ኣብ ጁባ ነጋዶ ሞት፣ ዝኣትው መጠን ገንዘብ ከስተውዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ . . . ሓደስቲ ኣባይቲ ሕክምናን ኣብያተ ትምህርትን ንምህናጽ ክውዕል ዝኽእል ገንዘብ ነቲ ድሮ ዘሎ ትሕቲ ቅርጺ ንምጥፋእ ይውዕል ኣሎ!” ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፣ ምስክርነት ክርስትያናዊ ምብራቕ ብምንኣድ፡ ጸዋዕታና “ኣብ ምሓዝ ስልጣን ክወድቕ ከይፈቐድና ንኢየሱስ እሙናት ንኹን . . . ንልቢ ካብ ጽልኢ ሓራ ዘውጽአ ክርስቶስ ብምስዓብ፡ ካብቲ ናይ ምፍልላይን ሕነ ምፍዳይን ኣተሓሳስባ ከመይ ጌርና ከም እንወጽእ ድማ ብኣብነትና ነርኢ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።