ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ‘ቅዱስ ቶማስ ሞር ንፖለቲከይናታት ኣብነት መስዋእቲ ንቅድምና ሕልና!'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ሰነ ኣብ መዕጸዊ ንመራሕቲ ዓለም ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ንዝተሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ሓገግቲ ሕጊ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ "ንናጽነትን ንቐዳምነት ሕልናን ሰማዕት ቅዱስ ቶማስ ሞር ዝገበሮ፣ ንሓቂ ኣብ ክንዲ ዝጠልም ህይወቱ ንምስዋእ ኣብ ምዃን ዘርኣዮ ትብዓት ንዓና እውን ሎሚ፡ ንናጽነትን ንቐዳምነት ሕልናን ክንዓዪ ኣብነት ይኾነና" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱሰንቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ዝነበረ እንግሊዛዊ ቅዱስን ፍልዩ ኣማኻሪ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ መራሔ መግንስቲ ነበርን ኣማእኪሎም መደረ ከም ዘስምዑ ኣመላኺቱ፣ ካብ 68 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ኣካላት መንግስታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ፖለቲካ “ዝለዓለ መልክዕ ግብረ ሰናይ” ተባሂሉ ክግለጽ ግቡእ እዩ - ቢሎም - ፖለቲካዊ ህይወት ንሕብረተሰብን ንሓባራዊ ረብሓን ዝህቦ ኣገልግሎት እንተሓሲብናዮ፡ ብሓቂ ከም ተግባር ክርስትያናዊ ፍቕሪ ክረአ ይኽእል እዩ፡ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ ድማ ክልሰ - ሓሳብ ጥራይ ኮይኑ ኣይፈልጥን፡ ኩሉ ግዜ ብጭቡጥ ምልክትን ምስክርነትን ናይቲ ኣምላኽ ንጽቡቕ ሰብኣዊ ስድራቤትና ቀጻሊ ሓልዮቱ ዘረጋግጽ እዩ . . . ነዚ ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ህሉው ባህላዊ ኩነታት ኣገደስቲ ዝበልዎም ሰለስተ ረቛሒታት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
ሰናይ ሕብረተሰብ ምድንፋዕን ምሕላውን
"እቲ ቀዳማይ፡ ካብ ዝኾነ ፍሉይ ረብሓ ነጻ ዝኾነ፡ ናይ ሕብረተሰብ ሰናይ ንምድንፋዕን ንምሕላውን ዘለካ ሓላፍነት ዝምልከት እዩ፡ ብፍላይ ድማ ንዝተቓልዑን ንዝተገለሉን ብምክልኻል" እንክብሉ አማላኺቶም፣ እዚ ድማ ንኣብነት "ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኢድ ውሑዳት ዝተዋህለለ ዘይተኣደነ ሃብትን ድኻታት ዓለምን ዘሎ ዘይቅቡል ዘይምዕሩይነት ንምስጋር ምስራሕ" ከምዘጠቓልል ገሊጾም፣ "እቶም ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዝነብሩ ድምጾም ንኸስምዑ ይጭድሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ልመናኦም ክሰምዕ ፍቓደና ዝኾነ እዝኒ ድማ ኣይረኽቡን" እንክብሉ ነቒፎም፡ "እዚ ዘይምዕሩይነት ቀጻሊ ዓመጽ ዝፈጥር ኩነታት የህሉ፡ እዚ ድማ ብቐሊሉ ናብ ዓመጽ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ድማ ናብ መዓታዊ ኲናት ይመርሕ . . . ብኻልእ ወገን ጥዑይ ፖለቲካ ፍትሓዊ ምክፍፋል ሃብቲ ብምስፋሕ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣህጉራውን ስኒትን ሰላምን ኣድማዒ ኣገልግሎት ክህብ ይኽእል እዩ" እንክብሉ ከም ዘገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሃይማኖታዊ ናጽነትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን
ካልኣይ ኣስተንትኖ ቅዱስነቶም፣ ንሃይማኖታዊ ናጽነትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝያዳ ትርጉም ከም ዝረኸበ ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ፖለቲካዊ ህይወት “ንሓቀይና ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝኸውን ኵነታት ኣብ ምድንፋዕን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ምክብባርን ሃናጺ ዝምድናን ኣብ ምዕባይን ብዙሕ ዝህብ ክኸውን ኣለዎ . . . ኣብ ኣምላኽ ምእማን፡ ምስቲ ካብኡ ዝመጽእ እወታዊ ክብርታት፡ ንህይወት ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን ዘይተኣደነ ምንጪ ሰናይን ሓቅን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ከም ኣገዳሲ መወከሲ ነጥቢ
"ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ሓባራዊ መወከሲ ነጥቢ ንኽህልወና፡ ከምኡውን ነቲ ውሳነ ኣብ ምህላው ዝግበር መስርሕ ዝበልጸ ዝዀነ ይኹን ኣረኣእያ ምእንቲ ኸይሓድግ - ንዅሉ ሰብ ሓድነት ዘምጽእ ረቛሒ ምርካብ ጠቓሚ ኢዩ። ነዚ ንምምልካት ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ እቲ ብሰብ እተጻሕፈ ዘይኰነስ ኣብ ኵሉ ግዜን ቦታን ከም ቅቡል ጌርካ ዚርአ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ እዩ፣ እዚ ሕጊ እዚ ኸኣ ኣብ ተፈጥሮ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቅኑዕን ዘእምንን መርትዖ እዩ . . . - ምስ በሉ ኣስዒቦም - "ካብ ካልኦት ዝያዳ ኣካታዕቲ እምነታት ወጻእን ልዕሊኡን ብዓለምለኻዊ ደረጃ ቅኑዕ ዝኾነ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ፡ ብፍላይ ኣብቶም ሎሚ ካብ ዝሓለፈ እዋን ንላዕሊ ንውልቃዊ ህይወትን ብሕትውናን ዝጥምቱ ተኣፋፍን ህጹጽ ስነ - ምግባራዊ ጉዳያት፣ ኣብ ምሕጋግን ተግባርን ጽንዓትና እንወስደሉ ቡሶላ ይፈጥር" ኢሎም።
ቅዱስነቶም ነቲ ዕለት 10 ታሕሳስ 1948 ዓ.ም. ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐን እተኣወጀን ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት እውን ከም ክፍሊ ባህላዊ ውርሻ ሰብኣዊ ፍጥረት ገይሮም ብምግላጽ፣ "እዚ ኣዋጅ እዚ ወትሩ እዋናዊ ኢዩ” እንክብሉ ኣጕሊሖም - ነቲ ሰብኣዊ ፍጥረት፡ ኣብቲ ዘይግሃስ ውሁድነቱ፡ ኣብ መሰረት ናይቲ ሓቂ ንምድላይ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ምቕማጥ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል'ዩ፡ በዚ ድማ ነቶም ዘይክበሩ ኮይኑ ንዝስምዖን ኣብ ውሽጦም ክብሪ ክስምዖ የኽእል እዩ" ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብድሆ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብቲ "ዓቢ ብድሆ" እንክብሉ ዝገለጽዎ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣማእኪሎም፣ "እዚ ንሕብረተሰብ ዓቢ ሓገዝ ዘቕርብ ምዕባለ እዩ፡ ኣሰራርሓኡ ንመንነትን ክብርን ሰብኣዊ ፍጥረትን መሰረታዊ ናጽነታቱን ዘየዳኽም እንተኾይኑ ግና - ቢሎም - ዋላ እኳ ጥቕሚ እንተሃለዎ፡ ውልቃዊ ህይወትና ካብ ዝኾነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ቀመር ዝዓበየ ዋጋ ኣለዎ፡ ማሕበራዊ ዝምድናታት ድማ ካብቲ ዝኾነ ነፍሲ ዘይብሉ መጋበርያ ኣቐዲሙ ክዕሽጎ ዝኽእል ውሱን ቅዲታት ወጻኢ ናይ ምዕባለ ቦታታት ክህሉ ይሓትት፥
ሚልዮናት ጭብጥታት ክዕቅብን ብዙሓት ሕቶታት ኣብ ካልኢታት ክምልስን ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ግን ሕጂ'ውን ብዝኾነ ይኹን መገዲ ምስ ደቂ ሰባት ዘይወዳደር 'ብቀዋሚ ማህደር መዘክር' ጥራይ ዝተሓጽረ ምዃኑ ክንርስዕ የብልናን . . .
በዚ ምኽንያታት፣ "ፖለቲካ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቤት ዘለዎ ብድሆ ሸለል ክብሎ ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ ንብዙሓት ዜጋታት ነቲ ሓድሽ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ባህሊ ዘልዕሎም ሕቶታት ብግቡእ እምንቶን ዓቢይ ግምት ብምሃብን ዝልለ መልሲ ንምሃብ ይጽዋዕ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምስክርን ኣብነትን ቅዱስ ቶማስ ሞር
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓገግቲ ኣካላት ናብ ቅዱስ ቶማስ ሞር ክውከሱ ዓዲሞም፣ ኣብ እዋን ኢዮቤል ዓመት 2000 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንእግሊዛዊ ቅዱስ ቶማስ ሞር ፖለቲካዊ መራሕቲ ዘኽብርዎ ምስክርን ስርሖም ኣብ ትሕቲ ሓለዋኡ ሕድሪ ዝበሉዎን ኣማላድን እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዘኪሮም፣ "ቶማስ ሞር ንዜግነታዊ ሓላፍነቱ እሙን ሰብ እዩ ነይሩ፣ ልክዕ ብሰንኪ እምነቱ ፍጹም ኣገልጋሊ መንግስቲ እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ንፖለቲካ ከም ሞያ ዘይኮነስ ከም ተልእኾ ምስፋሕ ሓቅን ሰናይን ክርእዮ ከም ዝደረኾን ገሊጾም፣ 'ህዝባዊ ንጥፈታቱ ኣብ ኣገልግሎት ሰብ፣ ብፍላይ ድኹማትን ድኻታትን ዘቐድም፤ ንማሕበራዊ ክርክርታት ዘጉልሕን፣ ብሉጽ ስምዒት ፍትሒ ሒዙ ብጽኑዕ ተወፋይነት ንስድራ ቤትን ንመንሰያት ብውሁድ ህንጸት የገልግል ከም ዝነበረ እውን ዘኪሮም . . .
“ንሓቂ ኣብ ክንዲ ዝጠልም ህይወቱ ንምስዋእ ኣብ ድልውነቱ ዘርኣዮ ትብዓት፡ ንዓና’ውን ሎሚ ንናጽነትን ንቐዳምነት ሕልናን ክንውፈ የተባብዓና
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም፣ "ኣብነቱ ንነፍሲ ወከፍኩም ምንጪ ምትብባዕን መምርሕን ይኹን!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።