ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፥ ንመጻኢ ልኡኻት ቫቲካን ብትሕትናን ብእምነትን ከገልግሉ ይምዕዱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዓርቢ ዕለት 20 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንሓደ ዓመት ናይ ተልእኾ ወንጌል ኣገልግሎቶም ንዝዛዘሙ ንካህናት ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም፣ “ብሓጎስ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም እብል፣ ንነፍሲ ወከፍኩም ልባዊ ሰላምታይ አቕርብ - ቢሎም - እቶም ካህናት ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ብናይቲ ተቛም ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሳልቫቶረ ፔናኪዮ ተመሪሖም ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ንሊቀ ጳጳሳት ፐናኪዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩርናዕ ዓለም ንቤተ ክርስቲያን ንምግልጋል ድሉዋት ዝኾኑ ካህናት ኣብ ምሕናጽ ንዝህብዎ ኣገልግሎት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፣ ዕላማ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ንኽኾኑ ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝሃንጽ ተቕዋም ከም ዝኾነ ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ሕጂ ዘይነጻጸል ኣካል ናይቲ ተቕዋም ኮይኑ ዘሎ፣ ማለት ተመሃሮ ካህናት ናይቲ ተቕዋም ሙሩቓት ቅድሚ ኣብ ኣገልግሎት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምውፋሮም ንሓደ ዓመት ኣብ ዝተፍላለያ ሃገራት ብምኻድ ዝፍጽምዎ ወንጌላዊ ተልእኾ ናይ መወዳእታ መድረኽ ምድላው ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመጻኢ ኣገልግሎት ነፍሲ ወከፍ ካህን ኣብ ሓቀይናን ጓሳውን ጽምዶን ሱር ዝሰደደ “ዓቢይ ተመክሮ” ዝውክል ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣገልግሎት ዝተሰረተ
ቅዱስነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ካልኦት ተመሃሮ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ “ካህናት ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም እግሮም ኣብ መሬት ዘንበሩ ጓሶት ክኾኑን” ዝብል ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ ተቕዋም ብዝብል ኣዋጅ ኣቢሎም ኣብ ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ዘሎ ዘቃልሕዎ ሓሳብ ዘኪሮም፣ ሓልዮት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ንተካኢ ጴጥሮስ ኣብ ዝተዋህበ ሓላፍነት፡ ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎት ይኹን ኣብ ካልእ ጉስነታዊ ተልእኾታት ብዝምደቡ ከምኦም ናይ ዝኣመሰሉ ካህናት “ተኣማንነትን መተካእታ ዘይብሉን ኣገልግሎት” ከም ዝሓትት ኣስሚሮም፣ “ንህያብ ክህነትኩም ብትሕትናን ብትሕትናን ገርሀይናነትን፡ ብኽእለት ምስማዕን ምስ ካልኦት ብምቅርራብን ክትነብርዎ እላቦ . . . እሙናትን ዘይሕለሉን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ” ክኾኑ ምስ ተላበዉ፣ ኣብ መወዳእታ ነቶም ካህናት ንሓደ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ቦታታት ንምግልግል ዝነበርዎ “ተኣዛዝነትን ተወፋይነትን” ኣመስጊኖም፣ “ዝኾነ ይኹን ዕማም ብሓላፍነት ብዝወሃበኩም ኣቢልኩም ድማ ኣብ ዓለም ናብ ዝኾነ ቦታ ክትለኣኹ ትኽእሉ - ቢሎም - ብጸሎትን ብግብርን ኣቢሎም ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ሰባትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዘለዎም ቅርበት ዝምስክሩ ካህናት ከም ዝኾኑ እምነትን ተስፋን” ከም ዘለዎም ገሊጾም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።