ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣቦ መንበር ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኮስታ ተራኺቦም
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 6 ሰነ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ኣቦ መንበር ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኮስታ ተቐቢሎም ከም ዘዛረረቡን ኣብቲ ክሌኣዊ ዘተ፡ ኣብ ዓለም ጥሜት ንምውጋድን ምዕባለ ድኻታት ሃገራት ንምድንፋዕን፡ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ኩነታት፡ ብፍላይ ኣብ ዩክሬንን ቓዛን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ሰነ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንኣቦ መንበር ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንቶኒዮ ኮስታ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዛራረቡን፣ ኮስታ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብምኽትል ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር የኔታ ሚሮስላው ዋቾውስኪ ምስ ዘተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን፣ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሕብረት ኤውሮጳን ዘሎ ሰናይ ዝምድናን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝምልከቱ ጉዳያትን ብፍላይ ድማ ካብ ዓለም ጥምየት ንምውጋድን ምዕባለ ድኻታት ሃገራት ንምድንፋዕን ዝዓለመ ዓለም ሓቆፍ ስልዕቲ ንምቛም ኣብ ዝብል ኣገዳሲ ነጥብን ከምኡ እውን ንህልዉ ኣህጉራዊ ኩነታት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታ ብፍላይ ኣብ ዩክረይንን ቓዛን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡን ድሕሪ እቲ ርክብ ኣቦ መንበር ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኮስታ፡ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፣ ቅድስቲ መንበርን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ምፍታሕ ዓለማዊ ብድሆታት ኣገዳስቲ መሻርኽቲ ምዃነን ዘረጋግጽ መልእኽቲ ከም ዝፈነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
07 Jun 2025, 17:13