MAP

ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ ሓድነት ብምስክርነትን ይቕረታን ክህነጽ ይከኣል ኢዩ ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ ሓድነት ብምስክርነትን ይቕረታን ክህነጽ ይከኣል ኢዩ  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ ሓድነት ብምስክርነትን ይቕረታን ክህነጽ ይከኣል ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፣ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ፣ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ይቕሬታ ንዘለዎ ሓይሊ መሰረት ብምግባር ንክርስትያናዊ ሓድነት ጻዕሪ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ንናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመና ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ሰላምታ ኣቕረቡሎም። ብዛዕባ ክርስትያናዊ ሓድነትን ሃይማኖታዊ ምስክርነት ሰማእትነትን ድማ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፈልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ምስክርነትን ምፍሳስ ደምን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን እተመስረተ መበቈል ቤተ-ክርስትያን ሮማ ብምዝካር ኢዮም ስብከቶም ዝፈለምዎ። ነቲ ነባሪ ውርሻኦም ብምምጓስ ድማ ፣ ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ክርስቶስ ብዘለዎም እምነት ዝሳቐዩን ዝስደዱን ዝሞቱን ዝለዉ ድማ ምስቲ ዝቕጽል ዘሎ መስዋዕቶም ኣተሓሒዞም ኣስተንተኑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሥነ-መለኮታዊ ስምምዓት ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ምእመናን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሓባራዊ ስቓይ ብምግላጽ "ብዛዕባ ናይ ሰማእትነት ሓድነት ኽንዛረብ ንኽእል ኢና" በሉ።

ወሲኾም ድማ "እዚ ኣብ መንጎ እተን ምሉእን ዝርአን ሕብረት ዘይብለን ኣብያተ-ክርስትያን ዘሎ ዘይርአ ግን ከኣ ዓሚቝ ሓድነት ቀንዲ ተልእኾና ኢዩ" በሉ። "ቤተ-ክርስትያን ሮማ በቲ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ዘፍሰስዎ ደም ኣቢላ ንዅለን ኣብያተ-ክርስትያን ብፍቕሪ ተገልግለን ኣላ" ብምባል እውን መስከሩ።

ኢየሱስ እቲ ሓቀያና ከውሒ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ወንጌልን ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ዝነበሮ መሰረታዊ ግደን ብምስትንታን፣ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሓቀይና ኸውሒ ገይሩ ኺርእዮ ኸሎ "ንሱ በቶም ደቀድቕቲ እተናዕቀ ኣምላኽ ግና እምኒ መኣዝን ዝገበሮ ኸውሒ እዩ" በሉ።

እቲ ሕጂ ማእከል ክርስትያናዊ መንነት ኰይኑ ዘሎ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ብምሕሳብ ድማ፣ ኣቕዲሞም ግና ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ከም ዝነበሩ ኣስተንትኑ። በቲ ባህላዊ መግለጺ ሮማውያን ከም "ኣብ ሥግር መንደቕ ሮማ" ብምባል ምስክርነት ዝጀመሩሉ ቦታ ምዃኑ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ወንጌል ኣብቲ ዓለም ኣብ ግምት ዘይኣቱ ነገራት ገይራ እትርእየሉ ቦታታት ከም ዝጅምር ዘዘኻኽር ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ እቶም ንክርስቶስ ዚስዕቡ በቲ ኣጸጋሚ መገዲ ማለት፣ በታ ጸባብ መገዲ ኸም ዚመላለሱ ውን ኣጠንቀቑ ። ድኽነት መንፈስ ትሕትና ከምኡውን ጽምኢ ፍትሒ መብዛሕትኡ ግዜ ምጽራር ከም ዜጋጥሞም ውን ገለጹ ። ይኹን እምበር ክብሪ ኣምላኽ ኣብዛ መገዲ እዚኣ እዩ ዚግለጽ ። "ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ኣዕሩኹ ይበርህ ካብ እምነቶም ናብ እምነቶም እተመሓላለፈ ድማ ኣብ ንመንገዶም ያቃንዖ ኣሎ" ክብሉ ውን መስከሩ።

ቅድስና ካብ ይቕረታ እዩ ዝውለድ

ቅድስና ካብ ፍጽምና ዘይኰነስ ካብ ይቕሬታ ከም ዝውለድ ውን ገለጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ሓድሽ ኪዳን ጌጋታትን ግጭታትን ሓጢኣትን እቶም ከም ዓበይቲ ሓዋርያት እንርእዮም ሰባት ኣይሓብኣልናን እዩ " ድማ በሉ ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ዕቤቶም ብይቕረታ እዩ ተቐሪጹ" በሉ ።

ከምቲ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንጳውሎስን ብተደጋጋሚ ዚበጽሖም ዝነበረ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓንሳእ ዘይኰነስ ደጋጊሙ እዩ ዚጽውዖ። ስለዚ ኸኣ ኢና ወትሩ ተስፋ ኽንገብር እንኽእል። ዓመት ኢዮቤል ንባዕላ ነዚ እያ እተዘኻኽረና" በሉ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመና ካብ ውሽጢ ስድራ ቤታትን ማሕበረሰባትን ኣትሒዞም ጥበበይናታት ሓነጽቲ ሓድነት ኪዀኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ። "ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያንን ዘሎ ሓድነት ይቕረ ብምባልን ብሓባራዊ ምትእምማንን ኣደልድልዎ" ክብሉ ውን ተላበዉ።

ኣብ መወዳእታ ናብ ድንግል ማርያምን ሓዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን ጸሎት ምእንቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብዛ በሰላን ምክፍፋልን ዘለዋ ዓለም "ቤትን ቤት ትምህርትን ሕብረት" ክትከውን ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ።

30 Jun 2025, 17:45