ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምእንቲ ግዳያት ሓደጋ ቤት ትምህርቲ ባንጉይ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጒይ ኣብ ዝርከብ "ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ብዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ባርዕ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ተመሃሮ እናሓሰቡ፣ “እግዚኣብሔር ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትንን መላእ ሕብረተሰብን ጽንዓት ይሃብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ርእሰ ከተማ ሪፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ባንጉይ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ጽዓት ኤሊትሪክ ብውሕዱ 29 ተማሃሮ ክሞቱ እንከለዉ፣ ልዕሊ 260 ድማ ከም ዝቖሰሉን ኣብ ልዕሊ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ጸዓት ኤሌትሪክ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ባርዕ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዓመታዊ መወዳእታ መርመራ ዝተረኽቡ ልዕሊ 5 ሽሕ ተማሃሮ ብርቱዕ ስንባደን ሞትን ማህሰይትን ከም ዘስዓበን፣ 29 ሰባት ድማ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን፣ እቶም ዝቖሰሉ 260 ሰባት ናብ ዝተፈላለየ ኣባይቲ ሕክምና ከም እተወስዱ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ምጭታት ሓበሬታ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ጠቒሱ የመላኽት።
'ኣጽዋር ስቕ ይበል'
ቅዱስ ኣቦና ስዒቦም፡ ሓሳባቶም ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ብኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታት ኣቕኒዖም፣ እብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ውግእን ግጭትን ብጻዕርታት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ክፍታሕ ጻውዒት እንከቕርቡ፣ "ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣጽዋር ኣብ ኩሉ ቦታ ስቕ ክብልን ብዘተ ሰላም ክሰዓብን ጸሎትና ኣይነቋርጽ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ጽንብል ዘለዎ መንፈሳውን ዓቕለሲያውን ትርጉሙ ብምዝኽካር፣ ንዓመታዊ ክብረ በዓል ጠበቓ ቅዱሳን ከተማ ሮማ ምኽንያት ኣብቲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡን ናብ ሮማ ንዝነገዱን ምመናን ልባዊ ሰላምታ ኣቕሪቦም፣ “ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ዝበዓል መዓልቲ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ምኽንያት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መሳለጥያ ግብረ ሰናይ ዝውዕል ዕለት ምዃኑ ብምዝኽካር፣ እዚ ምልክት ሕብረት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ምስታፍን” ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ንዅሎም እቶም ብዝህብዎ ምጽዋት ከም ተካኢ ጴጥሮስ “ንፈላሚ ስጉምትታተይ ዝድግፉ ምዉቕ ምስጋናይ አቕርብ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ መላእ ዓለም ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ምጽዋት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ክድግፉን ህጹጽ ሓገዝ ክህቡን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተቓላዕቲ ማሕበረሰባት ክድግፉን ዘኽእሎም ምዃኑ የዘኻኽር።
በዓል ቅዱሳን ጠበቓታት ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንነጋድያን ተቐማጦ ሮማ ሰላምታ እንክቕርቡ፣ ነቶም ኣብ ሰበኻታታ ሮማ ዘገልግሉ ካህናት እናሓሰቡ፣ ስለ ዝህብዎ ናይ ጉስነት ኣገልግሎት ምስጋናን ምትብባዕን ኣቕሪቦም፣ ኣስዒቦም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንግሆ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ሞጣህት ንዝተቐበሉ ሊቀ ጳጳሳት ሜጥሮጶሊታንን ዘሰነይዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ነጋድያን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቢሎም፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ካብ ብኲናት ዝተሃስየ ከባቢ ዝመጹ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ተበግሶ፣ Quo Vadis ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ?
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን ነቲ ምስ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝተኣሳሰሩ ኣብ ሮማ ዝርከቡ ቀንዲ ሰበኻታታት ዝካየድ መንፈሳዊ ንግደት ዘሳልጥ፣ ማሕበር Quo Vadis ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ? ዘዳለዎ ተበግሶ (ኢየሱስ ንጴጥሮስ ዘቕረበሉ ሕቶ) ብምንኣድ፡ ፍልጠት ኣናስር ቤተ ክርስቲያን ንምዕማቕን ንሓዋርያት ተወፋይነት ንምዕባይን ዝሕግዝ ዕድል ምዃኑ ብምዝኽካር ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "ንኩሎም ኣብቲ 'ኩዎ ቫዲስ' ማሕበር ዘዳለዎ መደት ዝሳተፉ፡ ብመንገዲ እቶም ምስ ዝኽሪ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝተኣሳሰሩ ናይ ሮማውያን ቦታታት እባርኽ፥ ነዚ ተበግሶ ንምውዳብ ብተወፋይነት ንዝሰርሑ ልባዊ ምስጋናይ አቕርብ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።