MAP

2025.06.10 Partecipanti al Giubileo e all'Incontro dei Rappresentanti Pontifici 2025.06.10 Partecipanti al Giubileo e all'Incontro dei Rappresentanti Pontifici  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ሓዋርያውያን ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ነቲ ቤተ ክርስትያን ንሰላም ዘለዋ ባህጊ የንጸባቑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓዋርያውያን ልኡኻን ቅድስቲ መንበር ተራኺቦም ብዛዕባ እቲ ቤተ-ክርስትያን ንዓለም ዘለዋ ፍቕርን ኣብ ጐድኒ እቶም እተሸገሩ ደው ንምባል ዝከኣላ ዅሉ ኽትገብር ዘለዋ ባህግን ክምስክሩ ተማሕጸኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መላእ ዓለም ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ ዘለዉ ሓዋርያውያን ልኡካን ቅድስቲ መንበር (ኑንስዮታት) ትማሊ ሰሉስ ዕልት 10 ሰነ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም።

ከምቲ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሓዋርያውያን ልኡኻቶም ዝኾኑ ኣብ መላእ ዓለም ተዝርጊሖም ዝርከቡ ኑንስዮታት ኣብ ናይ መጀመርታ ርክቦም ዝገበርዎ ዝነበሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን ንነፍሲ ወከፎም ምስ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዎም ማእሰር ሓድነት ዜመልክት ቀለቤት ኣወፈዩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን "ወትሩ ግዜ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕብረት ዘሎና፣ ብቅዱስ ጴጥሮስ እንሕሎ፣ ብኣኡ ውን ከም ዝተለኣኽና ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓና" በሉ። "ኣገልግሎትኩም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምእዛዝ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ብምርኻብን ጥራይ ኢዩ ንቤተ-ክርስትያን ንምምሃርን ምስቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘለዉ ጳጳሳት ብምትሕብባርን ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል።"

ቅዱስ ኣቦና ዝለገሱሎም ማሕተም ቅድስቲ መንበር ዝሓዘ ቀለቤት
ቅዱስ ኣቦና ዝለገሱሎም ማሕተም ቅድስቲ መንበር ዝሓዘ ቀለቤት
ቅዱስ ኣቦና ዝለገሱሎም ማሕተም ቅድስቲ ምንበር ዝሓዘ ቀለቤት
ቅዱስ ኣቦና ዝለገሱሎም ማሕተም ቅድስቲ ምንበር ዝሓዘ ቀለቤት

ተወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስሊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ኣድማሳዊነታን ምዃኖም ውን ገለጹ፣ ከመይሲ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹን ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ጳጳሳት ኪውክሉ ዝለኣኹ ክንዲ ዝኾኑ ድማ እዮም።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ከም ዲፕሎማስያውያን ኣካላት ቅድስቲ መንበር መጠብ ብሓድነትን ብዕላማን ውህደት ዘለዎን ኻልእ ዲፕሎማስያዊ ኣካል ኸም ዘየለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ።

"ዲፕሎማሲ ናይ ቅድስቲ መንበር  ኣብቶም ሰብ መዚ ዝምርኮስ እኳ እንተኾነ፣ ፍጹም ዘይኰነስ ኣዝዩ ኣገዳሲ መርኣያ ናይቲ ዝመሓላልፍዎ መልእኽቲ ማለት ናይ ደቅሰብ ሕውነትን ሰላምን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢዩ" ውን ክብሉ መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንክምስክሩ ኣገልግሎት ሓዋርያዋያን ተወከልቲ ቅድስቲ መንበር "መተካእታ ዘይብሉ" ምዃኑ ገለጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ንምርጫ ሕጹያት ጳጳሳት ዝገብርዎ ደገፍ ብሓቂ ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዝለገሱሎም ሓሳባት ኣብቲ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን ዘወፍይዎ ኣገልግሎት ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኺወስዱ ከለዉ ብፍላይ ነቲ ምስ ዝዀነ ይኹን ሃገር ዚተሓሓዝ ጕዳያትን ኵነታትን ኣብ ምርዳእ ዘለዎም ተራ ውን ዘለዎም ምስጋና ገለጹሎም።

ነቲ ናይ ጕስነት ተወፋይነቶምን ናይ እምነት ስጉምትታቶም ውን ነኣድዎ፣ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ኣገልጋሊ ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንዝበልዎ ቃላት ውን ዘከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቶም ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ወኪላቶም ኣቢሎም ኣብ ህይወት ደቅሰባት ተሳታፊ ይኾኑ፣ ዳርጋ ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ ዘለዉዎ ኩነት ህይወት ብምእታው ከኣ ብቕልጡፍን ብዜተኣማምንን መገዲ ድሌቶምን ትምኒቶምን ይፈልጡ" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተልእኾ ወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምግላጽ ናብቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝርከብ ምሳሌ ብምስትንታትን ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ልሙስ ሰብኣይ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት (3 1-10) ዝርከብ ከም ዘሕወዮ ዝነገር ዛንታ ውን ገልጹ። እቲ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ቤተ መቕደስ ዝነብረ ልሙስ ሰብኣይ፣ ነቲ ሓጐስ ዘጥፍአ ዝመስል ተስፋን ስንብታን ደቅሰብ ዘመልክት ኢዩ ዝመስል ዝነበረ በሉ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ልሙስ ሰብኣይ "ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ" እናበለ ዘለዎ ዅሉ ኸም ዚህቦ እምበር ዝህቦ ገንዘብ ይኹን ወርቂ  ከም ዘይብሉ ነገሮ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሓርያውያን ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካየድዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሓርያውያን ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካየድዎ ርክብ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ልሙስ ሰብኣይ ናብኡ ክጥምት ኸም ዝነገሮ ውን ዘከሩ፣ እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ተወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መንግስትታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ኣብ ዝገብርዎ ርክባትን ክምስርትዎ ዚጽዕሩ ኣገልግሎትን እውን ሓድነት ኪሃንጹ ከም ዚጽዕሩ ዚሕብር እዩ።

"ወትሩ ግዜ ጠመተ ጴጥሮስ ኩኑ" ድማ በሉ። "ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ቦታታት ሓድነትን ውህደትን ክሃንጹ ዝኽእሉ ሰብኡት ኩኑ" ክብሉ ውን መዓድዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምውፋይ ኪበሃል ከሎ "ፍቕሪ ምሃብ፣ ነቲ ንኹሉ እተሰናደወ ልግሲ ምምስካር" ማለት ምዃኑ ውን ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም ቤተ ክርስትያን "ካብ ፍቕሪ ተላዒላ ንዝዀነ ይኹን ነገር ድሉው" ከም ዝዀነት ወትሩ ድማ ኣብ ጐድኒ እቶም መሳኪንን ድኻታትን ከም ዝዀነት ገለጹ።

"እዚ ህይወት እዚ ብሓይሊ እዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነስ ብምስጢራዊ ትርጕም ከም እተሰለመ ንምእማን ነቲ ቅዱስ መሰል ኣምላኽ ክትጣበቑ ኢዩ" በሉ።

እዚ ተልእኾ እዚ ብፍላይ ኣብቲ ውግእን ዓመጻን ምጕዳል ፍትሕን ንሰባት ዘሳቕየሉ ዘሎ ቦታታት ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንተወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልኻን ወንጌል  ሚስዮናውያን "ንሰብኣዊ ኽብሪ ንምግልጋል መሳርሕቲ ሕብረትን ሓድነትን" ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ሎሚ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ተልእኾ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እምነት ምጽንናዕ ከም ምዃኑ ንዘሎኩም ግንዛበ ዜራጕድ እዩ" በሉ። ኣስዒቦም ድማ "ንስኻትኩም ባዕላትኩም ኣብዚ ምጽንናዕ እዚ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ዓለም ርኡይ ምልክት ምእንቲ ኽትኰኑ ቅድሚ ኹሉ እዚ ምጽንናዕ እዚ ንዓኻትኩም ውን የድልየኩም እዩ" ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

11 Jun 2025, 14:20