ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሩስያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ብተሌፎን ዘካየድዎ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ብተሌፎን ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ሩስያ ንሰላም ዝድግፍ ስጉምቲ ክትወስድ ብምሕታት ኣገዳስነት ዘተ ከም ዘጉልሑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 4 ሰነ ድሕሪ ቀትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ብስልኪ ከም እተራኸቡን ብፍላይ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣተኲሮም ከም እተመያየጡ ንጋዜጠይናታት መግለጺ ዝሃበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቡ፣ ከምኡ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ብዘይ መሰናኽል ምቕራብ ኣድላዪ ምዃኑ ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ስልኪ ርክብ፣ ብዛዕባ እቲ ቀጻሊ ጻዕርታት ምልውዋጥ እሱራትን ዋጋ ናይቲ ካርዲናል ማቴዮ ማርያ ዙፒ ሊቀ ጳጳስ ቦሎይና ኣብዚ መዳይ ዘካይድዎ ዘለዉ ዕማም ኣማእኪሎም እውን ከም ዝዘተዩ ብሩኒ ገሊጹ፣ "ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ንናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ኪሪል፡ ሊዮን መበል 14 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩ መልእኽቲ ዘኪሮም ብምምስጋን፣ ሓባራዊ ክርስትያናዊ ክብርታት ሰላም ንምድላይን ሕይወት ንምክልኻልን ሓቀይና ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምስዓብን ዝሕግዝ ብርሃን ክኸውን ከምዝኽእል ዘለዎም እምንቶ ከም ዘረጋገጹ" ሓቢሩ።
05 Jun 2025, 17:10