ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዘመነ ፋሲካ ኣብ ዘዛዝም በዓለ ጴንጠቆስጠ ኣብ ቅርዓት ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎት ንግስተ ሰማይ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብናን ብኲናት ዝተሃስየት ዓለምናን ሰላም ናይ ምምጻእ ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም . . . “ካብ መንፈስ ቅዱስ ውህበት ሰላም ንለምን - ቢሎም - “ልዕሊ ዅሉ ኣብ ልባትና ሰላም የህሉ፣ ሰላም ዘለዎ ልቢ ጥራይ እዩ ሰላም - ኣብ ስድራቤታት: ኣብ ሕብረተሰብ: ከምኡውን ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከስፍሕ ዝኽእል፣” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ መንፈስ ትንሳኤ ክርስቶስ ኩናት ኣብ ዘለሉ ናይ ዕርቂ መንገድታት ክኸፍት ከምዝኽእል ኣስተብሂሎም።
. . . “ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ብርሃኑ ክጽግዎም፣ ውግእ ደው ናይ ምባልን ናይ ዘተን ምልክታት ክገብሩ ትብዓት ይሃቦም” ምስ በሉ ንኹሎም ነቲ ብምኽንያት በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎተ ንግስተ ሰማይን ብመራኸቢ ብዙሓን ንዝተኸታተሉ ኩሎም ኣድናቖቶም ገሊጾም፣ ኣብ ሮማ ዝተረኽቡ ንኣባላት ዓቕለስያውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ሓደስቲ ማሕበረሰባትን ኣብ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካብ ዕለት 7 – 8 ሰነ ስለ ዘካየድዎ መዓልቲ ኢዮቤል ኣመስጊኖም፡ ብሓባር መሪሖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፣ ንዅሎም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ዓቕለስያውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ሓደስቲ ማሕበረሰባትን ኣባላት “ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ዝነበርክምዎ መዓልቲ ኢዮቤል ተሓዲስኩም ውጹ፡ ኪዱ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋ ናብ ኩሉ ኣብጽሑ! - ቢሎም - ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብዚ ወርሒ እዚ ናይ ድሕሪ ዝወስድዎ መርመራታት ናይ ትምህርቲ ዓመት ዝዛዝሙን ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ንዝጅምራ ሃገራትን እናሓሰቡ፣ ንኹሎም ተማሃሮን መምህራንን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ድሕሪ ዝገብርዎ መርመራታት ትምህርቶም ዝዛዘሙ ዘኪሮም ሰላምታኦም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።