ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓለ ጴንጠቆስጠ፦ መንፈስ ንውሽጣዊ ሰንሰለትና ይሰብሮን ይልውጠናን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ሎሚ እውን እቲ ኣብ ጽርሓ ጽዮን ዘጋጠመ ነገር ኣብ ማእከልና ይሕደስ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሌና ዚነፍስ ብርቱዕ ንፋስ ከም ብርቱዕ መብረቓዊ ማሕታ፡ ከም ዝኹላዕ ብርሃን ውህበት መንፈስ ቅዱስ ናባና ይወርድ።” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 8 ሰነ ሰዓት 10፡30 ብምኽንያት በዓለ ጰራቅሊጦንስ ኣብ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፣ ካብ ዕለት 7 – 8 ሰነ መዓልቲ ኢዮቤል ናይ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ሓደሽቲ ማሕበረሰባትን ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 70,000 ነጋዲያን ኣብቲ ዝዓረገ መውሳዕተ ቅዳሴ ከም ዝሓበሩን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ሓዋርያት ከመይ ገይሩ "ዘይተለምደ ዘደንቕ ነገር" ከም ዝፈጸመ የስተብህሉ።
ነቲ ናይ ሓዋርያት ውሽጣዊ ሰንሰለት ይበትኽ
"ድሕሪ ሞት ኢየሱስ፡ ሃዋርያት ፈሪሖም ብድሕሪ ዕጹው ማዕጾ ተዓጽዮም" እንከለዉ፡ "ሓድሽ ኣገባብ ምርኣይ ነገራት ይረኽቡ፡ እቲ ዘጋጠመ ፍጻመታት ንምትርጓምን ህላወ እቲ ዝተንስአ ጐይታ ብቐረባ ንኸስተውዕሉን ዝሕግዞም ውሽጣዊ ርድኢት ይረኽቡ" . . . መንፈስ ቅዱስ "ንፍርሖም ይስዕሮ፡ ውሽጣዊ ሰንሰለቶም ይሰብር፡ ቁስሎም ይፍውስ፡ ብሓይሊ ይቐብኦምን ናብ ኩሉ ክወጹን ሓያልን ድንቅን ግብሪ ኣምላኽ ክእውጁን ትብዓት ይህቦምን" . . . ኣብ በዓለ ጴንጠቆስጠ፡ መንፈስን ቅዱስ ዶባት ስለ ዝኸፍት፡ ማዕጾታት ጽርሓ ጽዮን ከም ዝተኸፍተ፣ ነቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ በነዲክት መበል 16 ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፣ እቲ መንፈስ ነቲ ኣብ ባቢሎን ዝጀመረ ናይ ኣእምሮን ልብን ሕንፍሽፍሽ ኣሰኒፍዎ ኢዩ። መንፈስ ደረትን ዶብን ኩሉ ይኸፍት" ዝበልዎ ሓሳብ ተወኪሶም የብርሁ።
'መንፈስ ዶባት ይኸፍት'
. . . መንፈስ ቅዱስ ቅድም ቀዳድም "ዶብ ልባትና ይኸፍት" ከምኡ'ውን "ህይወትና ንህያብ ፍቕሪ ክፉት ይገብር። "ህላወኡ ንትሪ ልብና፡ ንጸቢብነት ኣእምሮና፡ ንርእሰ ፍትወትና፡ ነቲ ብሰንሰለት ዝኣስረና ፍርሕን ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጥራይ ክንሓስብ ዝገብረና ርእሰ ኣምልኾን የፍርሶ . . . መንፈስ ቅዱስ ንኽብድሃና ይመጽእ . . .
ሓድሽ ኣገባብ ኣቀራርባ ህይወት
ኣብ ርእሲ እዚ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ መንፈስ ናብ ህይወት እንቐርበሉ ሓድሽ መገዲ ንኽንረክብ ከም ዘኽእለና ኣጕሊሖም - "ክንየው እቲ እንኽደኖ መሕብኢታትና ብምዃን ምስ ገዛእ ርእስና ከም እንራኸብን ይገብረና። ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ሓጐስ ክንምከሮ ብምምሃር ምስ ጐይታ ንኽንራኸብ ይመርሓና።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ ፍቕሪ ብምጽናዕ ጥራይ ኢና ንቓሉ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽልን ንኽልውጠና ንኽንፈቕደሉን ብርታዐ ክንረክብ እንኽእል" እንክብሉ የስተብህሉ።
ልብና ምኽፋት፡ ትረትናን ኒሕናን ስምዕታትናን ምብዳህ
መንፈስ ምስ ካልኦት ኣብ ምርኻብና ክህሉ ዝኽእል ደረት ይኣልይ። ነቲ ኢየሱስ ውህበት መንፈስ፣ "ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቲ ኣባና ዚነብር ኣቦን ዘሎ ፍቕሪ እዩ" እንክብል ዝሃቦ መግለጺ ብምዝካር፣ እዚ "ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ልብና ኽንከፍተሎም ንትረት ልባትና ኽንሰግሮ ካብቲ ዝውንነና ፍርሂ ሓሊፍና ነቲ ዜለዓዕለና ፍትወት ክንቈጻጸሮ" ከም ዘኽእለና ኣስሚሮም፡ ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ መንፈስ "ነቲ ንርክባትና ዝርብሽ ከም ጥርጣረ ከይመርመርካ ብሕማቕ ምፍራድ ወይ ንኻልኦት ናይ ምቍጽጻር ባህጊ ዝኣመሰለ ዓሚቝን ስዉርን ሓደጋታት ይኣልዮ - ብዛዕባ እቲ ርክባት በቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዓመጽ ዝመርሕ ዘይጥዑይ ባህጊ ዝልለየሉ ኣጋጣሚታት እውን ብብርቱዕ ስቓይ ኢየ ዝሓስብ። እቲ ዘሕዝን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ እተፈጸመ ሓያሎ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዝኪሮም . . . መንፈስ ቅዱስ ምስ ገዛእ ርእስናን ምስ ካልኦትን ዘሎና ርክብ ዝፍውስ እዩ! . . .
'ንቤተ ክርስቲያን ወሳኒ መዐቀኒ'
መንፈስ ቅዱስ ሰናይን ጥዑይን ዝምድና ንምምዕባል ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፍረ ናብ ብስለት ከም ዘምጽእን ከምኡ ብምግባሩ ድማ ዶባት ዝምድናታትና ከም ዘስፍሕን ንሓጐስ ሕውነት ከም ዝኸፍትን ኣብሪሆም።
"እዚ ንቤተ ክርስቲያን እውን ወሳኒ መዐቀኒ እዩ" እንክብሉ ኣስሚሮም፣ "ብሓቂ ቤተ - ክርስትያንን ናይቲ ዝተንስአ ጐይታን ደቀ መዛሙርቲ ጰንጠቈስጠን" እንኸውን ኣብ መንጎና ዶባት ወይ ምክፍፋል ምስ ዘይህልው ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቤተ - ክርስትያን ብዘተን ምቅብባልን ፍልልያትና ኸነዐርን እንተ ኽኢልና፣ ከም ቤተ - ክርስትያን መጠን ከኣ ንዅሉ እንቕበለሉን እነአንግደሉን ቦታ ይህልወና . . . ተቐበልትን ኣአንገድትን!
ጴንጠቆስጠ ይሕደስ
ቅዱስ ኣቦና መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎ ህዝብታት እውን ዶባት ከም ዝኸፍት ብምግንዛብ፣ "ናይ ኣምላኽ 'ትንፋስ' ልባትና ይጥርንፍ" "ንኻልኦት ከም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንርእዮም ይገብረና" ከምኡ'ውን "መሰናኽላት ኣፍሪሱ መናድቕ ዘይምግዳስን ሸለልትነትን ጽልእን የፍርስ" ቢሎም . . . ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ጴንጠቆስጠ ንቤተ ክርስትያንን ንዓለምን ይሕድስ . . . ምስ በሉ፣ ንቅድስት ድንግል ማርያም ብጸሎት ቅድሚ ምምሕጻኖም፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ውሽጥናን ብጻሕ ዶብ ልባትና ክፈቶ፡ ምስ እግዚኣብሔር ናይ ምርኻብ ጸጋ ሃበና፡ ኣድማስ ፍቕርና ኣስፍሓዮ፡ ሰላም ዝነግሰላ ዓለም ንምህናጽ እንገብሮ ጻዕሪ ደግፎ" እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።